Home ዜና ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ምስ ዲያስፖራ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዉያንን ክዝትዩ ኢዮም።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ምስ ዲያስፖራ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዉያንን ክዝትዩ ኢዮም።

678



ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ዲያስፓራ ኢትዮጵያ ከም ዝዝትዩ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ሎስ ኣንጀለስ ፣ካሊፎርኒያን ሳንቲፊ ኒው ሜክሲኮን ኣምሪሖም ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ዲያስፓራ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞን ሶማልያን ክዝትዩ ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያን ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ኣድሂቦም ክዝትዩ ምዃኖም እዉን ኣፍሊጡ።