Home ዜና ኣቀባብላ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ከተማ ውቕሮ

ኣቀባብላ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ከተማ ውቕሮ

424

ምእንተ ህዝቦም ክብሉ ኣብ መኸተ ልፍንታዊ ወራር ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ነይሮም ንውዕሊ ተፃብኦ ጠጠው ምባል ፕሪቶሪያ ስዒቡ ካብ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሩ ዝተሳናበቱ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ከተማ ውቕሮ ብክብሪ ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም።

ሃለዋትን ድሕንነት ህዝብና ንምውሓስ ኢና ናብ ቃልሲ ወፂና ንህዝብና ድማ መስዋእትን መጉዳእቲ ኣካልን ከፊልና ናብዚ መድረኽ ሰላም በፅሑ ይርከብ ዝበሉ እቶም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ሐዚ እውን እቲ ከይዲ ሰላም ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ተስፋ ብምግባር ምስ ህዝቦም ብምትሕብባር ድማ ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋ ፀፅታን ግቡኦም ክፍፅሙ ምዃኖም ገሊፆም።

እቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ናብ ማሕበረሰቦም እንትንምለሱ ንውዕሊ ፕርቶርያ ተገዛእቲ ኮይኖም ከምዝኾነን እንተኾነ ግና ምዕራብን ደቡብን ትግራይ፣ወረዳ ፀለምቲ፣ ክፋል ወረዳታት ኢሮብን ጎሎመኸዳን ካልኦት ምስ ኤርትራ ዝዋሰኑ ጫፍጫፍ ከባቢታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ብምህላው ነቲ ውዕሊ ዘተዓናቕፍ ብምዃኑ አደራደርቲ ኣካላትን መንግስቲ ፌዴራልን ፀላእቲ ካብ ትግራይ ክወፅኡ ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም።

እቶም ጀጋኑ ብኽብሪ ናብ ህዝቦም ብምምላሶም ሕጉሳት ምዃኖም ዝገለፁ ነበርቲ እታ ከተማ ንተመለስቲ አባላት ሰራዊትን ስድራ ተጋደልትን ዝግባእ ክብሪ ብምሃብ ከምዝድግፉ ብምግላፅ እቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ እቲ ኣብ ቃልሺ ዘርአይዎ ጅግንነት አብ ልምዓት ክደግምዎ ተላቢዮም።

እዚ ህዝባዊ ተልእኾኡ ብዝገርም ቅያን ጅግንነትን ፈፅሙ ናብ ናብርኡ ዝምለስ ዘሎ ተጋዳላይ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝብ ከይፀንት ሰጋር ታርኽ ኣመዝግቡ እዩ ፤ ክብሪ ድማ ይግብኦ ዝበሉ ካብ አመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ወልደጊዮርግስ ተኽላይ /ሸሪፎ / ሐዚ እውን ጅግንነቱ ኣብ ልምዓት ክትደግምዎ ይግባእ ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ ውቕሮ ኣይተ ሙሉ ማሩ ሓርበኛታት ተጋደልትና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝተፈፀመ ፅንታ ኣሐሪንዎ ናብ በረኻ ዝወፀ ሰራዊት እንበር ባህጊ ኲናት ነይርዎ ኣይኮነን ኢሎም። ንውዕሊ ፕርቶርያ ተግባራዊ ገይሩ ናብ ስድርኡን ማሕበረሰቡን ተመልሱ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ክብሪ ይግብኦ ዝበሉ እቶም ከንቲባ ይኹን እምበር ፀላኢ ካብ ትግራይ መልኡ ብዘይምውፃኡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን እቲ ዝምለስ ዘሎ ተጋዳላይ እውን ናብ መረበቱ ከይኮነስ ናብታ ስድራኡ ዝተዓቖቡላ መዕቆቢ እዩ ይምለስ ስለዘሎ መንግስቲ ፈደራል ፀላእቲ ብህፁፅ ክወፁ ክገብር ኣለዎ ኢሎም። በላይ ሽፈራው