Home ዜና ኣቀባብላ ተመለስቲ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም

ኣቀባብላ ተመለስቲ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም

601

ኣብ ወፍሪ መኸተ ጀኖሳይዳዊ ወራር ትግራይ ህዝባዊ ልእኽቶ ኣብ ምፍፃም ነይሮም ሐዚ ብኽብሪ ካብ ሰራዊት ዝተነከዩ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ብክብሪ ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም።

እቶም ዝተመለሱ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዝኽፈል መስዋእትን ጉድኣት ኣካልን ከፊልና ግዳይ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ወራርን ዝኾነ ህዝብናን ሉዓላዊ መሬትናን ንምውሓስ ኢና ናብ ቃልሲ ወፂና ብምባል ንህዝብና ድማ መስዋእትን መቁሰልትን ከፊልና ዝተውሃበና ህዝባዊ ልእኽቶ ፈፂምና ኣሎና ክብሉ ገሊፆም። እቶም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ወሲኾም ድማ ብዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ ግዝኣትና ክወፁ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ብሓፈሻ መሰልን ድሕንነትን ህዝብና ክኽበር ተስፋ ብምግባር ኢና ናብ ናብራና ንምለስ ዘለና፣ምስ ህዝብና ብምትሕብባር ድማ አብ ስራሕቲ ልምዓትን ምውሓስ ሰላምን ፀፅታን ግብኡና ክንፍፅም ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ደቆምን ኣሕዋቶምን ብክብሪ ናብ ህዝቦም ብምምላሶም ታሕጓሶም ዝገለፁ ነበርቲ እታ ወረዳ ንተመለስቲ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊትን ስድራ ተጋደልትን ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኪሮም ከም ዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ አሕፈሮም አይተ ሓየሎም ገ/ፃድቃንን ካብ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ተጋደላይ ገብረድንግል በርሀን ተመለስቲ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ ኣብ ባይታ ዘጋጥምዎም ፀገማት ተፃዊሮም ምስ ህዝብን በቢብርኩ ዝርከቡ አካላት ኣመራርሓን ብምውዳድ ኣብ ስራሕቲ ፀፅታን ልምዓትን ግብኦም ክፍፅሙ ኣገንዚቦም።

ኣብ እዋን እቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሓርበኛታት ተጋደልቲ እቶም ተመለስቲ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ከባቢኦም ምስ ከዱ ከጋጥሙዎም ዝኽእሉ ብድሆታትን መፍቲሒኦምን፣ኣብ ማሕበረሰብ ዝህልዎም ተሳትፎን ከምኡውን ብሕብረተሰብን ብአካላት ኣመራርሓን ክግበረሎም ዝግባእ ልዑል ክብርን ደገፍን ካልኦት ዛዕባታትን ብዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ እዩ።

ኪሮስ መሓሪ ካብ ከተማ እንትጮ