Home ዜና ኣቀባብላ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ

ኣቀባብላ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ትግራይ

570

ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ህዝባዊ ልኡኽቶ ተሸኪሞም ኣብ መኸተ ኣንፃር ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ወፊሮም መስተንክራዊ ቅያን ጅግንነትን ክፍፅሙ ድሕሪ ምፅናሕ ብመሰረት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተኸተመ ውዕሊ ተፃብኦ ቶኽሲ ደው ምባል ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም ናብ ማሕበረሰቦም ንዝምለሱ ዘሎ ጀጋኑ ደቁ ናይ ጅግና ኣቀባበል ይገብረሎም ኣሎ።

እቶም ተመለስቲ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ንሕና ምእንተ ህዝብና ዘላቒ ሰላም ክረክብ ክበሃል ዕጥቅና ኣውሪድና ናብ ህዝብና ንሕወስ ኣሎና ብወገን ፌዴራል ድማ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዝወረርዎ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ብህፁፅ ከውፀኦም፣ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ሰላም ክረክብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክትግበር ይግባእ ክብሉ ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ሓደ ሓደ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ተረኺቡ ዘዛራረቦም ጀጋኑ ተጋደልቲ።