Home ዜና ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዝምርምር ኮሚቴ ኣጣይሾም – መፅሄት...

ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዝምርምር ኮሚቴ ኣጣይሾም – መፅሄት ፎርብስ፡፡

542

ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዝምርምር ኮሚቴ ኣጣይሾም፡፡ እቶም ኣባላት ፓርላማ ዘጣይሽዎ መርማሪ ኮሚቴ ፤ ውፅኢት ምርመርኡ ንመንግስቲ እንግሊዝ ዘቕርብ ኮይኑ፤ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዓለም ለኸ ገበናት ዝምልከት ምዃኑ መፅሄት ፎርብስ ፀብፂቡ፡፡ ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ ቀወምቲ ኮሚቴ ሕጊ፣ ፍትሒን ተሓታትነትን ዘጣየሽዎ ኮሚቴ መርማሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ትግራይ፤ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብምምርማር ናብ መንግስቲ እንግሊዝን መርማሪ ኮሚቴ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘቕርብ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ብስኮትላንዳዊ ኣባል ፓርላማ እንግሊዝ ብራንደን ኦሃራ ዝምራሕ መርማሪ ኮሚቴ ጉዳይ ሰብኣዊነት ትግራይ፤ ኣባላት ፓርላማ ዴቪድ ኣልቶንን ባሮነስ ካንዲን ዝሓቖፈ ኮይኑ፤ ብዓለም ለኸ ደረጃ ድማ ባር ኣሶሴሽንስ ምስ ዝተብሃለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ተሓባቢሮም ከም ዝሰርሑ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ገበን ምፅራይ ዘርኢን ትግራይ ኣመልኪቱ ተመስሪቱ ዘሎ መርማሪ ኮሚቴ፤ ካብ ፈላማይ ውፅኢት ምርመርኡ ብምብጋስ ንመንግስቲ እንግሊዝ ምኽሪ ሓሳብ ከም ዘቕርብ ትፅቢት ከም ዝግበረሉ ዘመላኸተ መፅሄት ፎርብስ፤ መርማሪ ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ካብዚ ኮሚቴ ብዙሕ ከም ዝፅበ ጠቒሱ፡፡ ኲናት ደው ምባልን ቀፀልቲ ተፃብኦታትን ንምውጋድን፤ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግባር ዝግባእ ኮይኑ እናሃለወ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ምፅራይ ዘርኢ ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ሁማን ራይትስዎች ኣብ ምዕራብ ትግራይ ትኹረት ዝገበረ ፀብፃብ ምቕራቡ ዘመላኸተ እቲ መፅሄት፤ ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ንኸይዲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝሰርሕ ምዃኑ ገሊፁ፡፡ ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ ተጣይሹ ዘሎ ኮሚቴ መርማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ትግራይ፤ መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስርሑ ክውድእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይግበር ንዘሎ ፃዕሪ ፀቕጢ ዝፈጥርን ዘምክንን ምዃኑ ዝጠቐሰ መፅሄት ፎርብስ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ጉዳይ ክብደት ሂቡ ንኽዝቲ እውን ዕድል ዝፈጥር እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ዝኽእል፤ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ዓለም ለኸ ሕጊ ተመስሪቶም ዝጣየሹ ጠንካራ ኮሚቴታት እንትህልዉ ምዃኖም ዘመላኸቱ ኣብ ጉዳይ ዘብኣዊ መሰል ትግራይ ኮሚቴ ምርመራ ዘጣየሹ ኣባላት ፓርላማ እንግሊዝ፤ ምስ ካልኦት ዓለም ለኻዊያን ትካላት ተሓባቢሮም ንምስራሕ ድልዋት ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፡፡

ገ/ሄር ሃይሉ