Home ዜና ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅምር...

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅምር ኣተሓሳሲቦም።

591

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ብሰንኪ ጥሜት ይሳቐዩን ይሞቱን ኣብ ዘለዉሉ እዋን ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ USAID ኣብ ትግራይ ሓገዝ ጠጠዉ ምባሉ ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ገሊፆም።

ስለዚ ድማ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ተበፃሕነት እቲ ሓገዝ ዝከታተል ኣካል ናብ ትግራይ ብምዉፋር ነቲ ዘቋረፆ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅምር ንዳይሬክተር እቲ ትካል ሰማንታ ፓወር ሓቲቶም።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ኣብ ዝጠልበሉ እዋን እቲ ሓገዝ ንግዚኡ ጠጠዉ ምባሉ ብሽም መንግስቲ ኣሜሪካን እቲ ትካልን ይቅርታ ዝሓተታ ዳይሬክተር ሰማንታ ፓወር ነቲ ሓገዝ ናብቲ ሓገዝ ዝጠልብ ህዝቢ ንክባፃሕ መፍትሒ ንምቕማጥ ዝተወሰደ ዉሳነ ምዃኑ ኣብሪሀን።

እቲ ትካል ዘቋረፆ ሓገዝ ድማ ኣብ ቀረበ እዋን ከም ዝጅምር ሓቢረን።