Home ዜና ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ይግባእ ኢሎም።

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ይግባእ ኢሎም።

826

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ነዚ ነዚ ዝሓበሩ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ተጋሩ ዲያስፓራ ነበርቲ ካሊፎርንያ ኣብ ዝዘተይሉ እዋን ምዃኑ ኣብ ትዊተሮም ገሊፆም።

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ምስ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ተጋሩ ዲያስፓራ ነበርቲ ካሊፎርንያ ኣድማዒ ዘተ ከም ዘካየዱ ገሊፆም። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስ ሰላም ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ፃዕሩ ከሕይል ይግባእ ዝበሉ ኮንግረስ ማን ብራድ ሼርማን ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ዝገብርዎ ዘለዎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ተግባር ትኹረት ከም ዘድልዮ ሓቢሮም ። ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ኮንግረስ ማን ብራድ ሼርማን ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወፅእ ግድን እዩ ክብሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም።