Home ዜና መድረኽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ

መድረኽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ

676

”ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ልዑልን ብዝኾነ ተኣምር ዘይልወጥን እምነት እዩ ዘለኒ እዚ ፃዕራምን ትጉህን ህዝቢ’ዚ ምዕሩይ ምሕደራ እንተፈጢርናሉ፣ ታሪኽ ክሰርሕ ዝኽእል ህዝቢ ።”ፕሬዚዳንት ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ ።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ተረኺቦም ኣብ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ሃሰያ ንምዉፃእን ናብ ንቡር መነባብርኡን ልምዓቱን ክምለስን ነቲ መድረኽ ዝምጥን መሪሕነት ክነዐርፍ ግድን ይኸዉን ኢሎም።

ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ፖለቲካዊ ስነ-ምህዳር ትግራይ ናይ ምስፍሓን ምጥንኻርን ጉዳይ ምርጫ ጥራሕ ዘይኮነ ፣መድረኻዊ ግድነት ኢዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት ብምዃኑ እዉን ነዚ ንምፍፃም ዘኽእሉ ስራሕቲ ምዉጋን ቁልፊ ስራሕትና እዩ ኢሎም። ኣብ ትግራይ ነዊሕ ኣኼባ ናይ ምክያድ ባህሊ ኣሎ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ንገብሮ ምትዕርራያት እዚ ባህሊ እዚ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ስራሕቲ እውን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ሓቢሮም።

እዚ መድረኽ፣ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ተስፋ ሰላም ተጠቕምና ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ መኸተ ዓመታት ዘጥረናዮም ኩሎም ዓቕምታት ኣወሃሂድና፣ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኩሉ ዓቕምታትና ኣኪብና፣ በቢዝተዋፈርናሎም ዓውድታት ጭቡጥ ለዉጢ ብምፍፃም፣ ብሰንኪ ኩናት ኣብ ተፀባዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ክወድቕ ተገዲዱ ዘሎ ፃዕራምን ትጉህን ህዝብና ክንክሕሶ ኣለና።

እዚ ንገገሌና እዚ ዕድል ተጠቕምና ህዝብና እንኽሕሰሉ፣ ንገገሌና ድማ ፅቡቕ ስራሕ ፈፂምና እንምጎሰሉ መድረኽ እዩ። ህዝቢ ዘንፀርፀሩ ኣመራርሓ ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ ብምቕያር ዝመፅእ ፍታሕ ከም ዘየለ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት እዚ ብዙሕ እዋናት ተገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ሕዚ እንኣትዎ ዘለና መድረኽ ግን ንእዚታት ዘይፈቅድን ምዃኑ ብምግንዛብ ነብሲ ወከፍና ዝጭበጥ ዝድህሰስ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ኣስሚረምሉ። ካብ ሐዚ ጀሚሩ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓዉዲ ለውጢ ዘየምፅእ ዝኾነ ይኹን ሰብ ፈፂምና ክንሽከም ኣይንኽእልን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ ህዝቢ እውን ነዚ ዝፀውር እንግድዓ ከምዘይብሉ ክንፈልጥ ኣለና ክብሉ ኣገንዚቦም ።

”ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ልዑልን ብዝኾነ ተኣምር ዘይልወጥን እምነት እዩ ዘለኒ እዚ ፃዕራምን ትጉህን ህዝቢ’ዚ ኣሽንኳይ ዶ ናብርኡ ንምቕያርስ፣ ኣብቲ መኸተ ህይወቱ ኣሕሊፍ ክህብ እውን ጋእ ዘይበለ ህዝቢ እዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ስለዚ ብደንቢ እንተሓግዝናዮን እንተመሪሕናዮን፤ ሰሪሑን ሪሂፁን ክልወጥ ዘኽእል ምዕሩይ ምሕደራ እንተፈጢርናሉ፣ ታሪኽ ክሰርሕ ዝኽእል ህዝቢ እዩ ፣ ህዝቢ ትግራይ” ክብሉ ገሊፆም ፕሬዚዳንት ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ ።