Home ዜና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓዳጋ ጥሜት ንምዕጋት ብሄራዊ ሓደጋ ኮይኑ...

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓዳጋ ጥሜት ንምዕጋት ብሄራዊ ሓደጋ ኮይኑ ከም ዝእወጅ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም

214

ኣይተ ጌታቸው ነዚ ዝገለፁ ምስ ተናሕናሕቲ ውድባት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልእት ዝምልከቶም ኣካላትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ሓደጋ ጥሜት ንምድሓን ምእዋጅ ብሄራዊ ሓደጋን ምጥያሽ ኮምቴን ኣድሂቦም ኣብ ዝዘተይሉ እዩ።

ብጥሜት ዝመውት ሰብ ንምንካይ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብሩ ግዱሳት ወገናት ዝገብርዎ ዘለው ምርብራብ ዝናኣድ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ዝያዳ ውፅኢት ዝህልዎ ብዝተወደበን ዝተማእኸለን ስለ ዝኾነ ንዕኡ ዝመርሕን ዘተሓባብር ኩሉ ዘሳተፈ ዓብይ ኮሚቴ ኣብ ሓፂር ግዜ ከም ዝጣየሽ ኣፍሊጦም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሐዚ አዋን ልዕሊ ምድሕን ህዝቢ ካሊእ ኣጀንዳ ክህልዎ ኣይግባእን ዝበሉ እንትኾኑ እቲ ዝጣየሽ ኮሚቴ ብዘይ ዋዓል ሕደር ናብ ተግባር ኣትዮ ህዝዝቢ ካብ ሰላሕታዊ ፅንተት ንምድሓን ክሰርሕ ፀዊዖም።ብተወሳኺ እቶም ተሳተፍቲ ውሽጣዊ ዓቕምታትና ፀንቂቕና እናተጠቐምና ህዝቢ ዓለም ክበፅሐልና ድማ ጎናጎኒ ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ብብርሃነ መስፍን