Home ዜና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ምፅራይ ዓሌት ኣብ ዝፍፅሙ ዘለው...

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ምፅራይ ዓሌት ኣብ ዝፍፅሙ ዘለው ሓይልታት ፅንተት ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም ኣባላት ኮንግረንስ ኣሜረካ።

545

ኣባላት ኮንግረንስ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኮንግረስማን ብራድ ሸርማን ፣ ጂሚ ማክጋቨርን ከምኡ ድማ ኣባል ኮንግረንስ ኤል ሎይድ ዱገት ብሓባር ንፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ሕዚ’ውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምፅራይ ገበናት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፆም። ዝተጠናኸረ መረዳእታን ሰነዳትን ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ሁዩማን ራይትስ ዎችን ኣመንስቲ ኢንተርናሽናለን ካልኦት ከምዘመላኽትዎ ሕዚውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተግባራት ምፅራይ ዓሌት ይቕፅል ከምዘሎን እዚ ኣቓልቦ ዝሰኣነ ሕልና ኣልቦ ተግባር ፅንታ እናተፈፀመ ማሕበረስብ ዓለም ስቕታ ምምራፁ ኣግባብነት የብሉን ኢሎም እቶም ኣባላት። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዝተበፅሐ ስምምዕ ተፃብኦ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ክታም ዝነኣድ እዩ ዝበሉ እቶም እባላት ኮይኑ ግና ሐዚ እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ክፍፀም ዝፀንሐ ተግባራት ምፅራይ ዓሌት ከምዘየቋረፀን እኳደኣስ ሓይልታት ኣምሓራን ፋኖ ዝተብሃለ ዕጡቕን ኣብቲ ተግባር ተፀሚዶም ከምዘለው ብጭቡጥ መረዳእታ እናተረጋገፀ እዩ ኢሎም። ስለዚ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ እዚ ተግባር ምፅራይ ዓሌት ብቕልጡፍ ጥኩር ማዕቐብ ከንበር ኣታሓሳሲቦም።