Home ዜና ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ ዝቐፀለ ግፍዒ

ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ ዝቐፀለ ግፍዒ

685

ብውሕዱ 47 ሽሕ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ካብ ዓሰርተ ወረዳታት ምዕራብ ትግራይ ናብ እንዳባጉናን ኣትዮም።ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ እትርከብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዓሰርተ ወረዳታት ዝሃደሙ ብውሑዱ 47 ሽሕ ሓደሽቲ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ (IDPs) ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እንዳባጉና ኣትዮም ኣለው ክብል ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ወረዳ እታ ጌቱ ደጀኔ ንኣዲስ ስታንዳርድ ገሊፁ።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ጌቱ ገለ ካብ እቶም ተመዛበልቲ ካብ ማእኸል ተመዛበልቲ ማይፀብሪ እንትኾኑ ገሊኦም ድማ ካብ መጀመርያ ወርሒ መጋቢት ጀሚሮም ኣብ ወረዳታት ማይጋባ፣ ፀለምቲ፣ ቆራሪት፣ ወልቃይት፣ ቃፍታ ካልኦትን ዝነበሩ ኮይኖም ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዝጀርዎ ዳግማይ ዝተሓደሰ ስደትን ፀቕጥን ካብ ገዝኦም ገዲፎም ክመዛበሉ ከም ዝተገደዱ ሓቢሩ ። ካብቶም ተመዛበልቲ ድማ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ኣመልኪቱ።ሓደ ንጉስ ተኽላይ ዝተብሃለ (ስሙ ንደሕንነት ተቐይሩ) ወዲ 39 ዓመት ተመዛባሊ ፣ ምስ ሰለስተ ኣባላት ስድርኡ፣ ካብ ወረዳ ፀለምቲ ዝሃደመ፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ “ዝገደደ ነገር ኣብ ልዕለይን ስድራይን ከይተፈፀመ እየ ተበጊሰ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ብ‘ፋኖ’ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ኣምሓራ ተጋሩ ዝኾኑ ካብቲ ከባቢ ክወፁ ከምዘገደዶም ሓቢሩ።ሓደ ንጉስ ዝተብሃለ ተመዛባሊ ድማ “ናብ እንዳባጉና ካብ ዝማዛበል ሓደ ወርሒ ኣቕፀረ ኣለኹ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምግብን መድሃኒትን ዝበሃል የለን በዚ እዉን ህይወትና ንምቕፃል ኣብ ፅርግያ ገለ ንብረት ብምልማንን ብምሻጥን ደቀይ ይምግቦም ኣለኹ” ይብል ።

ካብ ማይጸብሪ ንዓሰርተ መዓልታት ብእግሪ ድሕሪ ምጉዓዛ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት እንዳባጉና ዝኣተወት ራሄል ሃይለ ዝተባህለት ጓል 20 ዓመት ድማ “ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፣ ከምኡ’ውን ኣዋልድ ገበናት ፆታዊ ዓመፅ ይፍፅሙ ነይሮም” ናይዘን ወገናተይ ዝበፀሐ ዓመፃት ኣባይ እዉን ከይፍፀመኒ ሰጊኤ ካብቲ ከባቢ ተመዛቢለ ኣለኹ ትብል።

ራሄል ኣብ 2013 ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ማይፀብሪ ካብ ዝተዓቑቡ ተመዛበልቲ ሓንቲ እያ።ስድራኣ ናብ ሱዳን ሃዲሞም ቅድሚ ሰሙናት ናብ እንዳባጉና ቅድሚ ምእታዋ ኣብ ማይፀብሪ ንክልተ ዓመት ብዘይ ብዙሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘይተረጋገዐ ኩነታት ትነብር ነይራ።“ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብዚ ምስ መፃእኩ’ውን ዝኾነ ሓገዝ ኣይረኸብኩን፣ ኣብ መሬት እየ ዝድቅስ፣ እዚ ከርተት ዝበዘሖ ህይወት ብፍላይ ንኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን በዳሂ እዩ” ትብል።ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ወረዳ እንዳባጉና ጌቱ ቁፅሪ ተመዛበልቲ እንዳባጉና ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣስታት 8000 ከምዝነበረን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ድማ ናብ 47 ሽሕ ከምዝዓበየን ገሊፁ።

እዞም ሓደሽቲ ዝመፁ ተመዛበልቲ ከም ምግብን መድሃኒትን ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዘይረኸቡ እዉን ሓቢሩ።ዋላ እኳ ኩነታት እቶም ተመዛበልቲ ንሓያሎ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ትካላት ረድኤትን እንተገለፁ ትርጉም ዘለዎ ምላሽ ከምዘይተዋህበ ኣይተ ጌቱ ኣመልኪቱ። ወሲኹ ድማ እቶም ተመዛበልቲ ግቡእ መፅለሊ ስለዘይብሎም ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጎደናታት ወፅዮም ምግቢ እናለመኑ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ይነብሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሱራፊኤል ኣርኣያ ድማ ነዚ ኩነታት’ዚ ብምርግጋፅ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ናብቲ ዞባ ንዝኣትዉ ሓደስቲ ተመዛበልቲ ግቡእ ቆላሕታ ክህቡ ፀዊዑ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንተመዛበልቲ ተባሂሉ ናብ ትግራይ ዝተመሓየሸ ሰብኣዊ ዋሕዚ ከምዘሎ ዝሕብር ፀብፃባት እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ማእኸል ትግራይ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ተዓቚቦም ዝነበሩ ልዕሊ 54 ሽሕ ተመዛበልቲ ብኸቢድ ሕፅረት ቀረብ ምግብን መድሓኒትን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ፀብፂቡ ነይሩ።

ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ትግራይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዛጊድ እኹል ሓገዝ ከምዘይተገብረሎም የማርሩ ስለዝኾኑ፡ ጉዳይ ተመዛበልቲ ንሓድሽ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብድሆ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ክብል ስታንዳርድ ፀብፂቡ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ