Home ዜና ኣብ ስራሕቲ መፍረይ ትካል ኣቑሑት ገዛን ቢሮን ምስረሐይ ንባዕለይን ቤተሰበይን ዝለዓለ ረብሓ...

ኣብ ስራሕቲ መፍረይ ትካል ኣቑሑት ገዛን ቢሮን ምስረሐይ ንባዕለይን ቤተሰበይን ዝለዓለ ረብሓ ፈጢሩለይ- መንእሰይ መለስ ገ/ሂወት

583

መንእሰይ መለስ ገ/ሂወት ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መፍረይ ትካል ኣቑሑት ኣረጋይ ገ/መድህን ብሞያ ዲዛይነርን ኦፕሬተርን ተቖፂሩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

እዚ  ዕድል ስራሕ ድማ ንባዕሉን ቤተሰቡን ዝለዓለ ረብሓ ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ፡፡”ኣብዚ ፋብሪካ ዘለው ማሽናት ኩሎም ድጅታላይዝ እዮም፡፡ ኣብ ምድሓን ሸርፊ ወፃኢ ዝለዓለ እጃም ዘለዎ እዩ፡፡” መንእሰይ መለስ ገ/ሂወት

“እዚ ፋብሪካ ዝለዓለ ፍልጠትን ሞያን ክሕዝ ገይሩኒ እዩ፡፡” ብምባል ድማ ብፍላይ ኣብዚ ገዘፍቲ ማሽነሪታት ዝውንን ፋብሪካ ምስርሑ ብመዳይ ቴክኖሎጂ ዝሐሸ ፍልጠት ከም ዝረኸበ ይገልፅ፡፡

መንእሰይ ኤፍሬም ሽሻይ እውን ኣብዚ ፋብሪካ ብሞያ ቀለም ዝሰርሕ ዘሎ እንትኸውን እዚ ድማ ካብ ስደት ዘድሕንን ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ምጥቃሞም ዝለዓለ ረብሓ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልፅ፡፡”ካብ ስራሕ ምስኣንን ስደትን ድሒነ  ኣብዚ ብምስረሐይ ሕጉስ እየ ” መንእሰይ ኤፍሬም ሽሻይ

እዚ መፍረይ ትካል ብ2012 ዓ፣ም ስርሑ ዝጀመረ እንተኸውን ብስንኪ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ጠጠው ኢሉ ምንባሩን ሐዚ ግን ብተግባር ስርሑ ምጅማሩ ሸርፊ ወፃኢ ብምድሓን ቁጠባ ትግራይ ኣብ ምዕባይ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ መንእሰይ ኤፍሬም ሽሻይ ገሊፆም፡፡

” እነፍርዮም ዘለው ምህርታት ብውሽጣዊ ዓቕምና እንሰርሖም ስራሕቲ ኮይኖም ብቐፃልነት  ክሳብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰደድ ንገብር ኢና፡፡” መንእሰይ ኤፍሬም ሽሻይ

ብሃፍታይ ባህረ