Home ዜና ኣብ ስነ ልቦናዊ ሕውየት ዘድሃበ ስልጠና ንመምህራን ተዋሂቡ

ኣብ ስነ ልቦናዊ ሕውየት ዘድሃበ ስልጠና ንመምህራን ተዋሂቡ

497

ሕብረት ቀዳሞት ተምሃሮ ሃፀይ ዮውሃንስ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ሓቂ ፋዉንዴሽን ብምትሕብባር ንመምህራ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀየ ዮውሃንስ መቐለ ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና ዘድሃበ ስልጠና ተዋሂቡ ፡፡

እቲ ሐዚ ንመምህራን ሃፀይ ዮውሃንስ ተዋሂቡ ዘሎ ሕውየት ስነ ልቦና ውፀኢቱ ንምርግጋፅ ክሳብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ክትትል ዝግበረሉ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ፡፡

ኣካየዲ ስራሕ ሓቂ ፋዉንዴሽን ዶ/ር ፋሲካ ኣምደስላሰን ፕሮጀክት ማናጅር እቲ ትካል ኣይተ ሃፍቶም በየነ ትካሎም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝበፅሖ ስነ ልቦናዊ ሃስያ ወፅኡ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግቡኡ ክፍፅም ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምትሕብባር ንሕውየት ስነ ልቦና ዝሕግዙ ስልጠና እናሃብ መፂኡ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ሕዚ ምስ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ሃፀይ ዮውሃንስ ጨንፈር  ኣሜሪካ ብምትሕብባር ንመምህራ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና ዝዓለመ ዓሊሙ ዝተዉሃበ ስልጠና ኣካል እዚ ምኻኑ ኣረዲኦም፡፡

ብፍላይ ኣብ ወለዶ ዝሃንፅ መምህር ዝስራሕ ሕውየት ስነ ልቦና ብቐሊሉ ናብ ሕብረተሰብ ንምብፃሕ ሓጋዛይ ከምዝዃነ ኣመራርሓ ሓቂ ፍውንደሽን ዶ/ር ፋሲካ ኣምደስላሰን ኣይተ ሃፍቶም በየነ ገሊፆም ፡፡

እቲ ንመምህራን ሃፀይ ዮውሃንስ ተዋሂቡ ዘሎ ስልጠና ሕውየት ስነ ልቦና ከም መርኣያ ብምውሳድ ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ንምግፋሕን ውፅኢቱ ንምግምጋም ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ክትትል ዝግበረሉ ምዃኑ ተገሊፁ ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ብማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ሃፀይ ዮውሃንስ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝተገበረሎም ድጋፍ ሕዉየት ስነ ልቦና ብምምስጋን እቲ ስልጠና ካብ ዝነበሮም ስነ ልቦናዊ ሃስያ ንክወፁ ሓጋዚ ከምዝኾነን ዝረኽብዎ ዓቕሚ ድማ ናብ ተምሃርኦም ንምትሕልላፍ ድልዋት ምዃኖም ኣረዲኦም፡፡ 

ሓቂ ፋዉንዴሽን ብዘተኣታተዎ ሓቂ ላይን ዝተብሃለ 8516 ነፃ መስመር ስልኪ ሰባት ብዘይምንም ክፍሊት ምሽጥሮም ትዓቒቡ ሓሳቦም ብምክፋል ነፃ ግልጋሎት ምኽሪ ስነ ልቦና ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡

ሃፍታሙ ገ/ስላሴ