Home ዜና ኣብ ትግራይ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ –...

ኣብ ትግራይ ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ – ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ

842

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከምዘሎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ፡፡

ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዓርሱ ንሕማም ኤድስ ካብ ዘቃሊዑ ነገራት ክቑጠን ነቲ ሕማም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝውገኑ ስራሕቲ ግደኡ ከበርክትን ድማ እቲ ቢሮ ፀዊዑ፡፡

ሓይሊታት ፅንተት ትግራይ ኣብ ዝወረርሉ እዋን ኮነ ኢሎም ስርዓተ ጥዕና ትግራይ ክዓኑን ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ክላባዕን ከምዝገበሩ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ወናኒ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ኩለመዳይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ገሊፆም፡፡

ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኣብ ትግራይ ይውገኑ ብዝነበሩ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ናብ 1 ነጥቢ 4 ሚእታዊ ወሪዱ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ፍስሃ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ለበዳ እቲ ሕማም ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፅሑ ኣሎ ኢሎም፡፡

ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ መናእሰይ ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጥሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኤድስ ብዝግባእ ተገንዝቦም ዓርሶም ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩን እቲ ዘሎ ለበዳ ንምክልኻልን ንምቁፅዓርን ኣብ ዝውገኑ ስራሕቲ ድማ ግደኦም ከበርክቱን ኣይተ ፍሰሃ ፀዊዖም፡፡

ብታደለ ዳኘው