Home ዜና “ኣብ ትግራይ ምጥቃም ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ደው ይበል” ፃውዒት ሕብረት ኣውሮፓ

“ኣብ ትግራይ ምጥቃም ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ደው ይበል” ፃውዒት ሕብረት ኣውሮፓ

990

——

ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ትግራይ ዝኣትው ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽን ዘላቕነት ክህልዎን ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ #ትግራይ ሕዚ እውን ንጥሜት ከም መሳርሒ #ኲናት ይጥቀሙ ንዘለው ገበነኛታት ድማ ናብ ፍርዲ ዝቐርበሉ ከይዲ ክሲ ክጅመር ኣባል ፓርላማ #እንግሊዝ ፀዊዖም፡፡  

ፕረዚደንት ካውንስል ሕብረት ኣውሮፓ #ቻርለስ ሚሸል ምስ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ድሕሪ እቲ ዝተካየደ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ውሳነ ናብ ትግራይ ዝኣትው ሰብኣዊ ሓገዝ ውሱን ምዃኑ ብምጥቃስ ካልኦት ኣማራፂ መንገድታት ብምጥቃም ብዘይተገደበን ዘላቒ ብዝኾነን መንገዲ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ ከምዘለዎ ኣፅንኦት ምሃቦም መርበብ ሓበሬታ እቲ ካውንስል ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ትግራይ ተቋሪፆም ዘለው  ወሃብቲ መሰረታዊ ግልጋሎታት ኩሎም ብፍላይ ድማ ቴሌኮሚዩኒኬሽን ስሩዕ ኣገልግሎቶም ዳግም ክጅምሩ ኣገንዚቦም፡፡

ኣጋጢሙ ንዘሎ ዘይውሑስ ኣቕርቦት ምግቢ ንምብዳህ እውን ነዳድን ዘመናዊ ድኩዕን ኣድላይ ምዃኑ ድማ ኣስሚረሙሉ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣባል ፓርላማ ኢንግሊዝ #ሎርድ ዳቪድ ኣልተን ኣብ ላዕለዋይ ገዛ በዓል ስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ብክባን ዕፅዋን ተከርዲኑ ዘሎ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ንጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ተርእዮ እናባኣሰ ይኸይድ ምህላው ሓቢሮም፡፡

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ መላእ ዓለም ንዝተቃለሐት “Tigray the Land of Hunger ” ንዘርእስታ ሰነዳዊ ፊልሚ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ ኣባል ፓርላማ ኢንግሊዝ ሎርድ ዳቪድ ኣልተን ኣብ ልዕሊ ነዚ ግፍዓዊ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ክሲ ክጅመር ድማ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ጉዳይ መርማሪ ጉጅለ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት #ኢትዮጵያ ኣዲሂቡ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትውን ኩሎም ዝተቋረፁ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ግፍዓዊ በደልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ዝወረዶም ግዳያት ድማ ፍትሒ ዝረኽብሉ መንገዲ ክናደ ከምዘለዎ ድሕሪ ምንፃር ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሓሉ ኣገንዚቡ፡፡  

ብፀጋይ መኮነን