Home ዜና ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና ነባራት ተምሃሮ 8 ክፍሊ ሎሚ ጀሚሩ ።

ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና ነባራት ተምሃሮ 8 ክፍሊ ሎሚ ጀሚሩ ።

573

ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ 75 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 1007 ኣብያተ ትምህርቲ ብሄራዊ ፈተና 8 ክፍሊ ንምውሳድ ዝተመዝገቡ ኣስታት 60 ሽሕ ተምሃሮ ካብ ሎሚ 28 ሰነ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ይወሃብ ምህላው ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳታት እንደርታ ምዕዛብ ኪኢልና ኣለና።

እቲ ከይዲ ፈተና ብተኣማንነት ግልፅነትን ንምክያድ ድማ ወረቐት ፈተና ካብ ምሕላው ጀሚሩ ወለዲ መምህራን ሕብረት ፈተንቲ መምህራንን ተፈተንቲ ተምሃሮን ኣብ ዘለውዎ ብግልፂ ከም ዝተዓደለ ዝገለፃልና ኣተሓባበሪት ፈተና ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ መኽደን ዝኾና መምህር ዝናሽ መንገሻ እየን።

ነባራት ተምሃሮ 8 ክፍሊ ንብሄራዊ ፈትና ድሉዋት ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ልዑል ምርብራብ ክግበር ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ርእሰ መምህር እዚ ቤት ትምህርቲ መምህር መስፍን ድምፁ እንተኾነ ግን እዞም ተምሃሮ ነዚ ፈተና ኣብ ከቢድ ስነ ልቦናዊ ፀቅጥን ሰፊሕ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገምን ኮይኖም ይወስድዎ ከም ዘለው ድማ ሓቢሮም።

ሙስጦፋ ጡሃ