Home ዜና ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ፀገም ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ መፍራይነት ሕርሻ ከብፅሖ...

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ፀገም ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ መፍራይነት ሕርሻ ከብፅሖ ዝኽእል ሳዕቤን ንምንካይ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ዙርይኡ ዘለው ኣማራፂታት መሰሰንቲ ልምዓት ሕርሻ ክጥቀም ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ።

608

ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ሄክታር ጠቕላላ ተሓራሲ መሬት እቲ ልዕሊ 740 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ንምሽፋን መደብ ተታሒዙ ይስራሕ ከም ዘሎ ድማ እቲ ቢሮ ገሊፁ።ኣብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ሓዊሱ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ሄክታር ተሓራሲ መሬት ዘሎ ኮይኑ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘሎ ከባቢታት እቲ ልዕሊ 740 ሺሕ ሄክታር ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ክሽፈን እዩ። እቲ ሕፅረት ከም ዘሎ ኮይኑ ሓረስታይ ቀረብ መዳበርያን ምሩፅ ዘርእን ዝረኽበሉ ዕድል ይፍጠር ከም ዘሎ ድማ ኣብ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓት ዘራእቲ ኣይተ ሰለሞን ገብረ ስላሰ ሓቢሮም።ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ፀገም ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ መፍረይነት ሕርሻ ከብፅሖ ዝኽእል ሳዕቤን ንምንካይ ሓረስታይ ትግራይ ስራሕቲ ዓቀብቲ ጠሊ ሓዊሱ ኣብ ዙርይኡ ዘለው ኣማራፂታት መሰሰንቲ መፍረይነት ክጥቀም ይስራሕ ኣሎ ድማ ኢሎም እቶም ሓላፊ።

ኣብ መፍረይነት ሎሚ ዘበን ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ክሕግዙ ዝኽእሉ ዓንዲ ዝራእቲ ምሸላ፣ ስርናይ፣ ዑፉንን ጣፍን ጠመተ ተገይሩ ይስራሕ ምህላው ዝተሓበረ ኮይኑ፤ፀገም ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ዛጊድ ዘይተፈተሐ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም። ኩነታት ክራማት ትግራይ ካብ ካልኦት ክልላት ቀዲሙ ስለ ዝጅምር ጠለብ መዳበርያ ፌዴራል መንግስቲ ኣቐዲሙ ዘማልአሉ ዕድል ንምፍጣር ምርድዳእ ይግበር ኣሎ ዝበሉ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓት ዘራእቲ ኣይተ ሰለሞን ገብረስላሰ እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ባህላዊ ድኹዕን ኮምፖስትን ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኣገንዚቦም።

#ሕሉፍ_ካሕሳይ