Home ዜና ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ቁልውላው ኣብ ምፍታሕ ክነጥፍ ዝኽእል ትግራይ ሶሻል...

ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ቁልውላው ኣብ ምፍታሕ ክነጥፍ ዝኽእል ትግራይ ሶሻል ኢንተርፕራይዝ ዝተብሃለ ስቪል ማሕበር ተጣይሹ።

627

ኣብ ስራሕቲ ንግድን ግልጋሎትን ምግባረ ሰናይን ብምንጣፍ ኣካል መፍተሒ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ማሕበረ ቁጠባዊ ቁልውላው ክኸውን ትፅቢት ከም ዝግበር ድማ እቲ ትካል ኣብ ዘሳለጦ ዋዕላ ዝተረኸቡ ሰበ ስልጣናት ክልልን ፌዴራልን ገሊፆም።ኣብ ትግራይ ዝርከባ ማሕበራት ሕብረት ስቪል ማሕበረሰብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክኽተላን ካብ መትረፋይነት ማሕበረሰባዊ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትኹረት ሂበን ክሰርሓን ዝሕግዝ ትግራይ ሶሻል ኢንተርፕራይዝ ንምጥያሽ ዋዓላ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ሓላፊ ካብኔ ሴክራተርያት ልምዓት ማሕበራዊ ስግግር ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሕይወት ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ መዕነዋይ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ከቢድ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ሃሰያ ምግጣሙ ስዒቡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ማሕበራዊ ንግዳዊ ትካላዊነት ነቲ ዘጋጠመና ሰፊሕ ቁልውላው ኣብ ምፍታሕ ግድኡ ከም ዝፍፅምን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ገሊፆም።ዋና ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ማሕበራት ስቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣይተ ሄኖክ መለሰ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ ዓርሰን ካብ ተፃባይነት ኣናጊፈን ሃፍቲ ኣብ ምፍጣር ክዋፈራን ኣብ ማሕበረሰበን ዘሎ ማሕበረሰባውን ኢኮኖሚያዊን ፀገም ኣብ ምፍታሕ ክነጥፋን ፀዊዖም።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝተመስረተ ሶሻል ኢንተርፕራይዝ ምናልባት እውን ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ማሕበራዊ ንግዳዊ ትካላውነት ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሓበሩ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ማሕበራት ስቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጅማ ደንበል ብወገኖም ከምዚኦም ዓይነታት ትካላት ምጥያሾም ስቪል ማሕበራት ግዳማዊ ረድኤት እንከይተፀበያ ፀገም ማሕበረሰበን ብናይ ባዕልተን ዓቕሚ ንምፍታሕ ሓጋዚ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ ዋዕላ ነቲ ዝተጣየሸ ትካል ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ተሞኩሮታት ዝድህስሱ መፅናዕታት ቀሪቦም።”ዓቕምታት ማሕበራዊ ንግዳዊ ትካላውነት ንሕውየት ትግራይ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሒዙ እዩ ድማ እቲ ትካል ተጣይሹ።

#ብሕሉፍ ካሕሳይ