Home ዜና ኣብ ትግራይ ዝካየዱ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ብቴክኖሎጂን ዝተሓገዙ ምግባር የድሊ።

ኣብ ትግራይ ዝካየዱ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ብቴክኖሎጂን ዝተሓገዙ ምግባር የድሊ።

631

ኣብ ትግራይ በቢብርኩ ዝሳለጡ ምርምራዊ መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ዝመረሖ ወይ ድማ ዲጅታላይዝድ ንምግባር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ወርልድ ቪዥን ብምትሕብባር ካብ 4ቲኡ ዩኒቨርስቲታት ትግራይ ምስ ዝመፁ ሙሁራትን መድረግቲ ኣካላትን ዘተ ኣካይዱ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝካየዱ ምርምራት ቴክኖሎጂ ዝመረሖ ምግባር ምእኹል ሓበሬታ ክህሉን ተመሳሳሊ ርድኢት ንምፍጠርን ዝሕግዝ ከም ዝኾነ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ዝስርሑ ምርምራት ስርዓት ንምትሓዝን ፍቓድ ዝህባ ትካላት ተናቢበን ክሰርሓን ዝዓለመ መድረኽ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ እዮም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ ብግዲኦም ሎሚ ዝግበሩ ምርምራት ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ብሩህ መፃኢት ትግራይ ብዘግህድ ክኸዉን ይግባእ ኢሎም ።

ሓላፊ ካቢኔ ሴክረተርያት ትልሚ፣ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ዝካየዱ መፅናዕታዊ ምርምራት ዲጂታላይዝድ ብምግባር ንትግራይ ቀልጢፉ ዘሕዉያን ልምዓታ ብዘረጋግፅ መንገዲ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ኢየሩሳሌም ገ/መድህን