Home ዜና ኣብ ትግራይ 2.4 ሚልዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምኽታት ትልሚ ተታሒዙ ዛጊድ...

ኣብ ትግራይ 2.4 ሚልዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምኽታት ትልሚ ተታሒዙ ዛጊድ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተምሃሮ ጥራሕ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ገሊፆም።

529

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ካብ ዝጅመር 45 መዓልቲታ ኣቑፂሩ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ትግራይን ዛጊድ ዝተፈፀሙ ዕማማትን ኣድሂቦም ንማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ 1377 ኣብያተ ትምህርቲ ጥራሕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝተጀመረ ዝገለፁ ዶ/ር ኪሮስ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝርከባ 552 ኣብያተ ትምህርቲ ግና ከምዘይተጀመረ ገሊፆም።

ፈለማ ኣብ ትግራይ 2.4 ሚልዮን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምኽታት ትልሚ ተተሒዙ ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ ቢሮ ዛጊድ ግና 560 ሽሕ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ብሓይልታት ፅንተት ዕንወት በፂሕወን እዩ፤ ይኹን እምበር ተምሃራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቕ ብዝብል ናውቲ ትምህርቲ ኣብዘይተማለአሉ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ኮይኖም ይመሃሩ ኣለዉ ዝበሉ ዶ/ር ኪሮስ ነዚኦም ንምሕጋዝ ክልላት ኢትዮጵያን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሓገዝ ይገብራ ከምዘለዋ ሓገዘን ቀፂሊ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም። ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ምፅጋንን ምህናፅን ዝዓነዋ ትካላት ትምህርቲን፣ ሕውየት መምሃራን፣ ስርዓት ትምህርቲ ኣመራርሓን ምህናፅ ብተወሳኺ ድማ ንትምህርቲ ዝሕግዙ ቴክናሎጂታት ኣብ ምትእትታዉ አመልኪቱ እናሰረሐ ከምዝርከብ እውን ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ኣረዲኦም።

#ኢየሩሳሌም ገ/መድህን