Home ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ረዲኤት ዳግም ክጅምር ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ረዲኤት ዳግም ክጅምር ፃውዒት ቀሪቡ።

1264

እቲ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ረዲኤት ስቓይ ህዝቢ ይውስኽ ብምህላው እቲ ረዲኤት ዳግማይ ክጅመር ከም ዝግባእ ፃውዒት ቀሪቡ።

እቲ ፃውዒት ድማ ብኮንግረስማን ጆን ጋራሜንዲን ኢልሃን ኦማርን ናብ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ/USAID /ሳማንታ ፓወር ዝተፀሓፈ ደብዳበ እዩ።

ኣዶ መንበር ጉጅለ ስራሕ ፖሊሲ ኣሜሪካን ኣፍሪካን ኢልሀን ኦማርን ሓበራዊ ኣቦ መንበር ባይቶ ኢትዮጵያን ኣባል ፖሊሲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝኾኑ ኮንግረስማን ጆን ጋራሜንዲ ክብደት ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ጉሕለት ሰብኣዊ ረድኤት ብዝግባእ ንርዳእ ኢና ድሕሪ ምባል እንተኾነ ግና ትካላት መቕረብቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝህበኦ ዝነበራ ረዲኤት ጠጠው ምባሉ ስዒቡ ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብስእነት ምግቢ ኣብ ሓያል ጥምየትን ዓፀባን ስለ ዝርከብ እቲ ሓገዝ ምግቢ ብህፁፅ ዳግማይ ክጅምር ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ኣተሓሳሲቦም።

ኢልሃን ኦማርን ጆን ጋራሜንዲን እቲ ዝላኣኽ ሓገዝ ምግቢ ብዝተኻእለ መጠን ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ይበፅሕ ከምዘሎ ንምርግጋፅ ኣዝዩ ሕጋዊ ዝኾነ መንገዲ ምኽታል ከምዘድልን ብሰንኪ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝዋሃብ ዝነበረ ሓገዝ ምግቢ ደው ምባሉ ግና ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ወገናት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ይወድቁ ከምዘለዉ ኣብቲ ደብዳቤ ገሊፆም።

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምጥፍፋእ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝተሳተፈ ኣካል ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርብን ኩሉ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዝማላእን ክበሃል ክትፅበዩ የብልኩሙን ዝበሉ እቶም ኣካላት ሐዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ተፀበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ግምት ብምእታው ጉዳይ ተሓታትነት ጎና ገኒ ክስራሕን እቲ ረዲኤት ግና ብቅልጡፍ ክጅመርን ይግባእ ኢሎም ኣብቲ ናብ ኣመሓዳሪት #USAID ሳማንታ ፓዎር ዝለኣኽዎ ሓበራዊ ደብዳበ።

ብሰንኪ እዚ ሓገዝ መግቢ ደው ናይ ምባል ውሳነ ዝመፅእ ዘሎ ወሰኽ ስቓይ ዘጉልሕ ናይ መጀመርታ ፀብፃባት ኣዝዩ ዘሻቅል ከምዝኾነን ዝገለፁ ኢልሃን ኦማርን ጆን ጋራሜንዲን ነዚ ፀገም መፍትሒ ንምቕማጥን ህይወት እቶም ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፅበዩ ዘለው ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ተጋሩ ንምድሓንን ህፁፅ ዝኾነ መፍትሒ ከም ዝጠልብ ኢልሃን ኦማርን ጆን ጋራሜንዲን ሓቢሮም።

ብተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ