Home ዜና ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከብ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ንምምላስ ኩለመደያዊ ቃልሲ ከምዝሓትት...

ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከብ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ንምምላስ ኩለመደያዊ ቃልሲ ከምዝሓትት ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ወልደጀወርግስ ኣተሓሳሲቡ።

547

ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከብ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ንምምላስ ኩለመደያዊ ቃልሲ ከምዝሓትት ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ወልደጀወርግስ ኣተሓሳሲቡ።

እቶም ጀነራል ነዚ ዘተሓሳሰቡ መጽሓፍ ”ዘዪዛሪ ውርርስ” ኣብ ዝመረቕሉ እዋን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 48 ዓመታት ዘካየዶ ገድሊ መስዋእትን ልምዓትን ምስ ጥንታዊ ስልጣነኡ ዝተኣሳሰረ ዘዪዛሪ ውርርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ተጋዳላይ መለይ ኣማረ ንምረቓ በቒዓ።

ነቲ መጽሓፍ ብዕሊ ዝመረቑ ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ወልደጀወርግስ ልፍንታውያን ጸላእቲ ታሪኽ ትግራይ ብምብራስ ቀጥታውን ሰላሕታውን ጄኖሳይድ ይፍጽሙ ብምህላዎም፤ ምእንተ ህንጸት ወለዶ ታሪኽ ንዝስንዱ ደረስቲ ክሕገዙ ይግባእ ኢሎም።

ዛጊድ ብሰንኪ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናትና ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ይርከቡ ዝበሉ እቶም ጀነራል፥ሉእላዊ መሬት ትግራይ ንምምላስ ኩለመደያዊ ቃልሲ ከምዝሓትት ኣተሓሳሲቦም። 30 ሚኢታዊ ሽያጥ መጽሓፍ ዘዪዛሪ ውርርስ ግዳይ ጄኖሳዳዊ መጥቃዕቲ ንዝኾና ደቂኣንስትዮ ትግራይ ከምዝውዕል ድማ ደራሲ እቲ መጽሓፍ ተጋዳላይ መለይ ኣማረ ሓቢሩ።

#ኤፍሬም_ረደሀይ