Home ዜና ኣብ ኣፍ ሞትን ስደትን

ኣብ ኣፍ ሞትን ስደትን

289

ኣይተ ሃይለስላሰ ወልደንቸኤል ፥ ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ሓረስታይ ጣብያ ሳንታ ገለበዳ እዮም።ብጥሜትን ሕማምን ካብ ዝድቅሱ ወርሖም ከምዘሕለፉን እዞም ሓርስታይ ” እግረይ የሳሕየኒ ፣ ርእሰይ ፀረውረው ይብለኒ ፣ ተዘይተደጊፈ ኰፍ ኢለ ምትሳእ ኰነ ደኒነ ክቐንዕ ይኣብየኒ።

ብስሩ እውን ነታ ኣብ ክንደይ ዝረኽባ ብፅባፅ ኣባዕኸ ምውሓጥ ስለዝፀገም ኣብ ኣፍ ሞት እየ ዘለኹ” ይብሉ። ትሸዓተ ርእሶም ስድርኦም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ኣይተ ሃይለስላሰ ወልደንቸኤል ተዕንግሎም ዝነበረት መሬቶም ብድርቂ ከምዝተጠቐዐት እዮም ዝገልፁ።

ንባዕሎም ሓዊሱ በዓልቲ ቤቶምን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ህፃንን ሓደ ድማ ተምሃራይ 6ይ ክፍልን ጥራሕ ተሪፎም ኣለዉ። ካልኦቶም ኣበይ ከምዘለዉ ኣይተ ሃይለስላሰ ወልደንቸኤል ሓበሬታ የብሎምን ወዶም ተምሃራይ ሙሉኣለም ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ትምህርቱ ካብ ዘብኩር ሰሙናት ከምዝተቖፀሩ ከምዚ ክብል ይገልፆ። “ምሳሕን ድራርን ‘ኳ ኣይረክብን ፥ ቁርሲ ተበሊዐ ትምህርተይ ክቕፅል ክፍትን ‘የ ፤ ኣይኰነን ግና ከቋርፅ ክግደድ እየ “ሙሉኣለም ሓሳቡ ኣካፊሉና። ዓመት መፀአ ብትምህርቱ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ዝሕዝ ተምሃራይ ሙሉኣለም ሃይለስላሰ ፣ ሕዚ ህይወቱ ንምቕፃል ሊስትሮ ምስራሕ ከምዝጀመረ እውን ይገልፅ።

በዓልቲ ቤት ኣይተ ሃይለስላሰ ፥ ወይዘሮ ንግስቲ መስፍን ኣብ ገዝአን ኣይነበራን ንሕና ንበዓል ገዘአን ኣዘራሪብና ክንወፅእ፣ ንሰን ኣብ ደገ ፀኒሐን ክኣትዋ ኣብ በሪ ገዝአን ተራኸብና ኣበይ ድኣ ኔርክን ፥ ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናለን ? ” መቕመሲ ስድራ እንተረኽብኩ ክልምን ፀኒሐ” ዝብል መልሲ ሂበናና ይትረፍ ንስድረአን ንሓንቲ ኵላሶ ዘይትኸውን ዑኽቲ ምሸላ ኣብ ነፀለአን ቋፂረን ከምዘለዋ ምስገለፃ ኣብ ከባቢየይ ለሚነ ስለ ዘይረክብ ርዳእታ ቀልጢፉ ተዘይበፂሑልና ክንስደድ ኢና ይብላ ኣብ ስምዒት ተስፋ ምቕራፅ ወዲቐን።

ወይዘሮ ንግስቲ መስፍን ምስ ንብዓተን ናብ ቤት መድቈሲአን ኣምሪሐን ዘመፃአኣ ትኳቦ መሸላ ኣቐሚጠን ክጥሕና ግና ኣይደለያን ንምንታይ? “ቀዳም በዓል ስለዝኾነ ኣይደፍርን” ኢለን ዑኽቲ ምሸለአን ምድቋስ ጀሚረን ንመኒኦም ኰን እያ ክትከውን? ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ልዕሊ 42 ሽሕ ህዝቢ ህዝፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ይፅበ ከምዘሎ ድማ ምምሕዳር እታ ወረዳ የመላኽት።

ብኤፍሬም_ረደሀይ