Home ዜና ኣብ እንግሊዝ ዝተረኸበ ብስኒ ሓርማዝ ዝተሰረሐ መጋየፂታት ፍልፍል ቅሪት ኣካል ሓራምዝ ግዝኣት...

ኣብ እንግሊዝ ዝተረኸበ ብስኒ ሓርማዝ ዝተሰረሐ መጋየፂታት ፍልፍል ቅሪት ኣካል ሓራምዝ ግዝኣት ኣኽሱም ምዃኑ ተረጋጊፁ-ላይቭ ሳይንስ /Live Science /

516

ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ እንግሊዝ ኣብ ዘካየድዎ ምርምር ዝተረኸበ ቅሪት ኣካል ሓራምዝ መበገሲኡ ንግስነት ኣኽሱም ምንባሩን ቅድሚ 1500 ዓመታት ብልውውጥ ንግዲ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወን ኣረጋጊፅና ኢሎም፡፡

ኣብ እንግሊዝ ብኳዕቲ ዝተረኸበ ቅሪት ኣካል፤ ኣኽሱም ቅድሚ 1500 ዓመታት ውዕዉዕ ዓለም ለኻዊ ንግዳዊ ርክብ ትገብር ምንባራ ዘመላኽት ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኣለና ዝበሉ ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ሺፊልድ፤ ኣብቲ እዋን ስኒ ሓርማዝ ካብ ኣኽሱም ናብ ግዝኣታት እንግሊዝ ዝበፅሐሉ ኣግባብ ድማ ብግዝኣታት ሮማ ኣቢሉ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡፡

ምክትል ተመራማሪ እቲ መፅናዕቲ ሁግ ዊልሞት ንላይቭ ሳይንስ ኣብ ዝሃብዎ ርኢይቶ፤ መበገሲ ስኒ ሓርማዝ ካብ እንግሊዝ 6400 ኪሎሜትር ርሒቕካ ካብ ዘሎ ነባር ግዝኣት ኣኽሱም እዩ፣ኣብቲ እዋን ምስ ኣኽሱም ንግዳዊ ርክብ ዝነበሮ ግዝኣት ሮማ ስለ ዝኾነ እቲ ጉዕዞ እውን ብከባቢ ሜዲተራኒያንን ጎቦታት ኣልፕስን ሓሊፉ ናብ ግዝኣት ኣንግሎሳክሰን ከም ዝበፅሐ ኢና ፈሊጥና ክብሉ ሓቢሮም፡፡ ሕዚ ኮይንካ ክረአ ከሎ፤ ቅድሚ 1500 ካብ ግዝኣት ኣኽሱም ናብ ግዝኣታት እንግሊዝ ዝግበር ልውውጥ ንግዲ ኣዝዩ መድከሚን ርሑቕን እዩ፡፡

እንተኾነ ግና ነገስታት ኣኽሱም ኣብ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪን ሜዲተራኒያንን ዝነበሮም ቀላሳይነት ሓይሊ ዘመላኽት እዩ ዝበሉ ሆግ ዊልሞት፤ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ውን ነቲ ዝነበረ ሓቂ ዝምስክር ምዃኑ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ጥንታዊ ኣንግሎ ሳክሰን ካብ ከተማ ሺፊልድ 110 ኪሎሜትር ንምብራቕ ርሒቖም ካብ ዝተረኸቡ ሸውዓተ መካነ መቓብራት ኣብ ሓዲኡ ብዛዕባ ዝተረኽበ ክቢ ሳንጣ ዓሚቕ ምርምር ምክያዶም ዘረጋገፁ ሁግ ዊልሞት፤ እቲ ናይ መቓብር ቦታ ካብ 5ይ ክሳብ 6ይ ክ/ዘመን ከምዝተሰረሐ ጠቒሶም፡፡

ካብ ስኒ ሓርማዝ ብመልክዕ ክቢ ተሰሪሖም ንመጋየፂ ደቂ ኣንስትዮ ክውዕሉ ምፅነሖም ዘርኢ ምዃኑ ዝጠቐሱ ምክትል ሓላፊ ጉጅለ ተመራማርቲ ስነ ኳዕቲ፤ እቲ መቓብር ብሃፍቲን ዝናን ልዕል ዝበለ ስም ዝነበሮም ኣካላት ዝቕበርሉ ነይሩ ይብሉ፡፡ ተረኺቡ ዘሎ ድማ ብመልክዕ በናጅርን ካቲምን ዝተሰርሑ ስኒ ሓርማዛት እዮም ክብሉ ኣረዲኦም፡፡

እቶም መጋየፂታት ስኒ ሓርማዝ ምስ ክባራት ኣእማን ተዋሃሂዶም ዝተሰርሑ እዮም፡፡ እዙይ ዝስረሐሉ ዝነበረ ብሕታዊ ቦታ ድማ ኣኽሱም እዩ፡፡ ኣይዞቶፕ እቶም ክባራት ኣእማን እውን ኣብ ኣኽሱም ምስ ዘለዉ ዝመሳሰሉ እዮም ዝበሉ ዊልሞት፤ ኣብ መካነ መቃብር እንግሊዝ ተረኺቦም ዘለዉ ቅሪት ኣካላት ኣብ መላእ ኣውሮፓ ንዝግበሩ ምርምራት ከም መበገሲ ክውሰዱ ይኽእሉ ኢሎም፡፡

ጉጅለ ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ እንግሊዝ ንነዊሕ እዋናት ከካይድዎ ናይ ዝፀንሑ መፅናዕቲ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዝርከብ ቦርድ ማናጅመንት ሙዝየም ስሚዞኒያል ተቐባልነት ምርካቡን ኣብ መፅሄት ኣርኪዮሎጂ ምሕታሙን ዘረጋገፁ ኮይኖም፤ ስኒ ሓርማዝ ዝተረኸበሉ ቦታ ድማ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ መዝብርን ዑና ዓዲን ዝበሃሉ ከባቢታት ምዃኖም ኣረጋጊፆም እዮም፡፡

ቅድሚ 1500 ዓመታት ጀሚሩ፤ ኣኽሱም ኣብ ንግዲን ሕርሻን ዝተመርኮሰ ብርቱዕ ቁጠባን ሃገረ መንግስትን ሃኒፁ ምንባሩ ዘመላኸተ እቲ ውፅኢት ምርምር፤ ብኢደ ጥበብን ምምካኽ ሓፂነ መፂንን እውን ልዑል ብራኸ ከም ዝነበሮም ይሕብር፡፡

ገ/ኣብሄር ሃይሉ