Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝውስኽ ዘሎ ከቢድ ገበን ክትራንን...

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝውስኽ ዘሎ ከቢድ ገበን ክትራንን ፀገም ፀጥታን ንምፍታሕ መንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም ነበርቲ ከተማ መቐለ

567

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝውስኽ ዘሎ ከቢድ ገበን ክትራንን ፀገም ፀጥታን ንምፍታሕ መንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም ነበርቲ ከተማ መቐለ

ተሌቪዥን ትግራይ ፀጥታ ከተማ መቐለ ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዘሎ ንምዕዛብ ኣብ ባይታ ወሪዱ ምስ ዝተፈላዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣካላት ፍትሕን ኣዘራሪቡ ብቀትሪ ኮነ ብለይቲ ብተግባራት ክትራን ካብ ኣካል ምጉዳእ ክሳዕ ሂወት ምሕላፍ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ኣረጋጊፁ፡፡

ናብቶም ብክትራን ሂወቶም ናይ ዝሓለፉ ወገናት ካብ ኣካላት ፍትሒ መረዳእታ ሒዝና ንስድራ ግዳያት ቃለ-መሕተት ክንገብር ፈተነ ጌርና እንትኾነ ግና ሐዚ እውን ውሕስና የብልናን ብዝብል እቶም ስድራ ግዳያት ፍቃደኛታት ከም ዘይኮኑ ገሊፆም።

ኣብ ዕዳጋ ቀዳማይ ወያነ ብቐትሪ መዓልቲ ብካራ ተወጊኣ ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሪፈር ተባሂላ ደቂሳ እትርከብ ንእስቲ ኣምለሰት የውሃንስ ድማ ቡዙሕ ደም ስለዝፈሰሳ ክትዛረብ ኣይከኣለትን መላዕልታን ኣባላት ስድራኣን ከምዝብልዎ ግና ንእስቲ ኣምለሰት ገንዘብ ንምምንጣል ብቀትሪ ብኻራ ኣብ ሰለስተ ቦታ ተወጊኣ ናብቲ ሆስፒታል ከምዝኣተወትን ሰብ ሞያ ሕክምና ብዝገበሩላ ድጋፍ ሐዚ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘላ ይገልፁ፡፡

ኣብ ሃንደበታዊ ክፍሊ ሆስፒታል ዓይደር ሰብ ሞያ ሕክምና ከም ዝሓበርዎ ብኻራን ኮብልስቶንን ዝተወግኡ ወገናት በቢመዓልቱ ይመፁ ከምዘለውን እዚ ህይወትን ኣካልን ወገናትና ካብ ሓደጋ ካብ ምውዳቕ ብተወሳኺ ንዓዓቶም እውን ኣብ ዕለታዊ ስራሕቶም ፀቕጢ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ሓላፊ ገበን ምክልኻል ኣይተ ኪሮስ ወልደገሪማ ነዛ ንእስቲ ብኻራ ዝወገአ ተጠርጣሪ ኣብ ቀይዲ ሕጊ ውዒሉ ጉዳዩ ብሕጊ ይረአ ከምዘሎን ኣብታ ክፍለ ከተማ ክትራንን ፀገም ፀጥታን በቢግዚኡ እናወሰኸ ብበላሕቲ ነገራት ዝተሰነየ ገበናት ይፍፀም ከምዘሎን እዚ ድማ ብኣካላት ፀጥታ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕብረተሰብ ሓጋዚ ብምግባር ክቕረፍ ዝግበኦ ፀገም ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ከተማ መቐለ ብወገኖም ኣብታ ከተማ የጋጥም ዘሎ ከቢድ ገበን ክትራንን ፀገም ፀጥታን ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ፀገም ይፈጥረሎም ብምህላው መንግስቲ ሰላምን ልዕልነት ሕግን ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ስጉምቲ ክወስድን መፍትሒ ከቐምጥን ኣተሓሳሲቦም፡፡

#ጎይተኦም ተኸስተ