Home ዜና ኣብ ከተማ ማይጨዉ ክካየድ ዝፀነሐ ንጥፈታት ንግዲ ተዘዋዋሪ ባዛር ሰላም ትግራይ ተዛዚሙ።

ኣብ ከተማ ማይጨዉ ክካየድ ዝፀነሐ ንጥፈታት ንግዲ ተዘዋዋሪ ባዛር ሰላም ትግራይ ተዛዚሙ።

469

እቲ ባዘር ኣብ ከተማ ማይጨዉ ምስላጡ ብሰንኪ ኩናት ትግራይ ተዘሓሒሉ ዝነበረ ንግዲ ትግራይ ምንቕቓሕ ዝፈጥርን ብቐሊሉ ክርከቡ ዘይኽእሉ ኣቑሑ ብዝተመጣጠነ ዋጋ ክንዕድግን ክንሸይጥን ኣኽኢሉና እዩ ኢሎም ዓደግትን ሸየጥትን።

ፕረዚደንት ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ ማይጨዉ ኣይተ ዮናስ ነጋ እቲ ባዛር ምንቅስቓስ ንግዲ ከተማ ማይጨዉ ዘነቓቐሐ ከሞዝነበረን ንቐፃሊ እዉን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ኣዳላዊ ”ሰላም ትግራይ ተዘዋዋሪ ባዛር” ካሕሳይ ለኣከ ብግድኦም ቀንዲ መበገሲ እቲ ባዛር ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተዘሓሒሉ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስን ኣብ መንጎ ህዝብታት ምትእምማን ምፍጣርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብተን ባዘር ዝሳለጠለን ከባቢታት ምንቅስቓስ እንዳምግቢ ፣ ትራንስፖርትን ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ዝላዓለ ግደ ከምዘለዎ ዝገለፀ ኣይተ ካሕሳይ ብፍላይ ባንክታት ካብ ባዛር ጥራሕ መዓልታዊ 7-8 ሚልዮን ዕቋር ክረኽባ ከምዝኻኣላ ኣረዲኡ።

ካብ ሚያዝያ 21/ 2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝፈለመ ተዘዋዋሪ ባዛርን ንግድ ሰላም ትግራይ ኣብ ማይጨዉ ዝተዛዘመ እንትኸዉን ካልእ ተንቀሳቀሲ ባዛርን ምርኢት ንግድን ሰላም ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ብዝብል ኣብ 5ተ ከተማታት ትግራይ ከምዝቕፅል ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

#እየሩሳሌም ገ/መድህን