Home ዜና ኣብ ከተማ ዓዲግራት 111 ህፃውንቲ ብግዱድ ጥሜት ተጠቒዖም

ኣብ ከተማ ዓዲግራት 111 ህፃውንቲ ብግዱድ ጥሜት ተጠቒዖም

521

እዛ ህፃን ጓል 1 ዓመትን 9 ኣዋርሕን እያ። ኣብ ከተማ ዓዲግራት እየ ረኺበያ። ክብደታ 6 ኪሎ እዩ። ካብቲ ስሩዕ ክብደት ብ7 ኪሎ ቀኒሱ ኣሎ፡፡ ወላዲታ ወ/ሮ ምሕረት ገ/ሚካኤል ፥ ምኽንያት ቀነስ ክብደት ውላዳ ጥምየት ዘስዐቦ ከም ዝኾነን ንሕማም እውን ተቓሊዓ ከምዘላን ትገልፅ።

ሲስተር ኣስኳል ድማ ኣብታ ከተማ በዓልቲ ሞያ ሕክምና እያ፡፡ ውላዳ ማዕረ ዕድሚኣ አግሪ ክትተክል ኣይካኣለትን። ሕሉፍ 17 ኣዋርሕ መሃያ ዘይምርካባ ኣብ ናብርኣ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘስዐበላን ብኡ ልክዕ ውላዳ ንሕፅረት ምግቢ ከምዝተቃለዐትን ትዛረብ።

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ልዕሊ 4ሽሕ ህፃውንቲ ንሕፅረት መግቢ ከምዝተቓልዑን ፤ ካብዚአም እቶም 111 ህፃውንቲ ድማ ብግዱድ ጥሜት ተጠቒዖም ከምዘለዉን ዝገለፃ ድማ በዓልቲ ሞያ ክትትል ህፃናትን ኣዴታትን ሲስተር ሄዋን ለማ እየን፡፡

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ስዒቡ ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝስደዱ ኣዴታትን ህፃናትን ይውስኽን እዚ ድማ ንተላበድቲ ሕማማት የጋድዶ ከምዘሎን ድማ ሓ/ቤ/ፅ/ሓ/ጥዕና ከተማ ዓዲ ግራት ሲስተር ኣልጋነሽ ገ/ኪዳን ሓቢረን፡፡

ብ #ኤፍሬም_ረደሀይ