Home ዜና ኣብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ልዕሊ 12 ሽሕ ወገናት ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ

ኣብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ልዕሊ 12 ሽሕ ወገናት ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ

1516

ኣብታ ከተማ ዓዲ ጉዶም ልዕሊ 12 ሽሕ ወገናት ንከቢድ #ዓፀቦ ተቓልዖም ንሓደጋ #ሞት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ ፡፡
ጉጅለ #ፋሽስታውያን ባንኪ ፣ ስልኪ ፣ #መድሓኒትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ናብ #ትግራይ ከይኣቱ ብዘካይድዎ ዘለዉ ኩለመዳይ ዕፅዋን ክባን ኣብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ወገናት ንሓደጋ ጥሜትን ሞትን ተቃሊዖም ይርከቡ ፡፡
ካብቶም ድራር ምሸት ስኢኖም ብሕሱም ዓፀቦ ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት ሪኢቶ ዝሃባና ወ/ሮ ሰናይት ብርሃኑ ፣ መ/ር ተኪአን በርሀን ወላዲተንን እቲ ዓፀቦ ንከቢድ ሓደጋ ከምዘቃልዖም ገሊፀን ፡፡
እተን ወገናት ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰብኪ ክባን ዕፅዋን #ፀላእቲ ንሕሱም ጥሜትን ሕማምን ከምዝተሳጥሑን ነዛ ሕማቅ እዋን ጎረባብቶም ብዝህብወን ሓገዝ ክንሰግራ ይግባእ ኢለን ፡፡
ግዝያዊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ከተማ ዓዲ ጉደም ኣይተ ካሕሳይ ሃይሉ ኣብታ ከተማ ልዕሊ 12 ሽሕ ወገናት ንከቢድ ዓፀቦ ተቃልዖም ንሓደጋ ሞት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ገሊፆም ፡፡
እዞም ወገናት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ህፁፅ #ሓገዝ እንተዘይረኪቦም ህላወ እዞም ወገናት ዘስግእ እዩ ዝበሉ አይተ ሃይለ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተረዲኡ ህፁፅ ፍታሕ ክገብረሉ ሕብረተሰብ ድማ ነንባዕሉ ክተሓጋገዝ ፀዊዖም ፡፡
ብበላይ ሽፈራው