Home ዜና ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ስፍሓት ዘለዎ ዕስለ ኣምበጣ ከም ዝተርኣየ ምምሕዳር እታ ወረዳ...

ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ስፍሓት ዘለዎ ዕስለ ኣምበጣ ከም ዝተርኣየ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

571

ማሓዳሪ እቲ ወረዳ መምህር መዝገበ ግርማይ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ብስፍሓት ተራእዩ ከም ዘሎ ንትግራይ ቴሌቪዥን ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ሓቢሮም።ዛጊድ ድማ ኣብ ዝራእቲ ሓደጋ ምብፃሕ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝሓበሩ እቶም ኣመሓዳሪ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ናይ ምብራር ስራሕቲ ይስረሑ እኳ እንተሃለው እዚ ነቲ ገጢሙ ዘሎ ሰፊሕ ዕስለ ጠጠው ከብሎ ስለዘይኽእል ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምዝርራብ ካብቲ ዝብገሰሉ ዘሎ ከባቢ በራሕለይ ጀሚሩ ስራሕቲ ነፀጋ ኬሚካል ክግበር ከም ዝግባእ ፀዊዖም።