Home ዜና ኣብ ወረዳ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ብስንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ሽዱሽተ ሰባት ብጥሜት...

ኣብ ወረዳ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ብስንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ሽዱሽተ ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

1970

ነባሪት ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት ጣብያ ሰንዓለ ዝኾና በዓልቲ ፀጋዕድመ ኣልጋነሽ ከበደ ቅድሚ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናትን ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ባዕለንን ሓፍተንን ብሕርሻን ሓሓሊፉ ይግበር ብዝነበረ ሓገዝ ሴፍትኔትን ይመሓደራ ምንባረን ብምግላፅ ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ግና ሓፍተን ኣበበ ከበደ ብሰንኪ ጥሜት ክልተ ቆልዑ ገዲፋትለን ካብዚ ዓለም ከምዝተፈለየት ይዛረባ።

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ባዕለን እውን መማረፂ ሓርቢቱወን ከምዘሎን ዝረድአን እንትስእና ፆመን ከምዝሓድራ የብርሃ።

ኣብ ጣብያ ሰንዓለ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ዘስዓቦ ጥሜትን ብሕሱም ጭንቂን ገዝኦም ገዲፎም ናብ ስደት ካብ ዝኸዱ 40 መራሕቲ ስድራ ወ/ሮ ፎቴን ኣባዲ ሓንቲ እያ። ብሰንኪ እቲ ድርቂ ካብ ሕርሻኣ ዝረኸበቶ እቶት ብዘይምህላው ካብ መንግስቲ ኮነ መድረግቲ ኣካላት ሓገዝ ክትረክብ ብተስፋ ተፀብያ እኳ እንተነበረት ኹሉ ስኢና ገዝኣ ዓፅያ እግራ ናብ ዘምረሓ ከምዝኸደት ጎረባብታ ይዛረባ።

ኣብታ ወረዳ ብሰንኪ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜትን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምህላውን ሹድሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለፃ ሓላፊት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ወ/ሮ ሃሪፈያ ግደይ 89 ሚኢታዊ ህዝቢ እታ ወረዳ ብጥሜት ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጠን።

ገበርቲ ሰናይ ፣ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ብሓባር ነቲ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜት ተገንዚቦም ህፁፅ ሓገዝ መድሕን ሂወት ከቕርቡ ዝፀወዓ እተን ሓላፊት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ህፁፅ መፍትሒ እንተዘይተገይሩሉ ግና እቲ ፀገም ናብ ዝኸፈአ ከምዘምርሕ ኣተሓሳሲበን።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ