Home ዜና ኣብ ጥንታዉያን ሓድግታት ትግራይ እዉን ጀኖሳይድ ተፈፂሙ ኢዩ -ሙሁራት

ኣብ ጥንታዉያን ሓድግታት ትግራይ እዉን ጀኖሳይድ ተፈፂሙ ኢዩ -ሙሁራት

627

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ 16 ኣዋርሕ ዝዓነው ሓድግታት ትግራይ ን500 ዓመታት ካብ ዝበፅሖም ዕንወት ዝበኣሰ እዩ ክብሉ ሙሁራት ሓቢሮም፡፡ ሓይሊታት ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ምብራስ መንነትን ጥንታዊያን ሓድግታትን ትግራይ ዘነፃፀረ እዉን ከም ዝነበረ ተመራማሪ ሓድግታት ፕሮፌሰር ሚካኤል ጋርቨርስ ገሊፆም፡፡ ትግራይ ንምጥፋእ ተባሂሉ ሓይሊታት ጀኖሳይድ ብልፍንቲ ኣብ ዘካየዱዎ ኲናት ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ምዃኑ ድማ ፕሮፌሰር ሙከሽ ካፒላ ገሊፆም፡፡

ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ፤ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ቤተ እምነታትን ሓድግታትን ዘነፃፀረ፤ መላእ ህዝቢ ምስ ክብርታቱን ታሪኹን ሓቢሩ ክጠፍእ ዝገብር ምልዕዓልን ስሚናራትን ይካየዱ ምንባሮም ካብ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ከም ዝተዓዘቡ ዝጠቐሱ ፕሮፌር ሚካኤል ጋርቨርስ፤ ወታደራዊ ሓለፍቲ እቶም ሓይሊታት ፅንተት፤ ንሰራዊቶም ጭካነ ክመሃር ይገብሩ ምንባሮም ጠቒሶም፡፡ ኣብዚ ኲናት ተፈሊዩ ዝተርፍ፣ ካብ ወታደራዊ ዒላማ ወፃኢ ዝኸውን ኣካል ከይህሉ ወታደራዊ ትእዛዝ ይወሃብ ነይሩ፡፡

ኣብ ቤተ እምነታት ዝተፀገዐ ሰላመዊ ህዝቢ ምስቶም ቤተ እምነታት ሓዊስካ ክውቃዕ ድማ ስልጠናታት ይወሃቡ ነይሮም ደማ ኢሎም፡፡ ኣብ ውሽጢ 16 ኣዋርሕ ጥራይ ዝዓነዉ ሓድግታት ትግራይ ንዝሓለፉ 500 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተርኣዩ ዕንወታት ዝገደዱ እዮም፡፡

ኣብ ትግራይ ብዝተካየደ ጀኖሳይድ ናይታ ሃገር ሓድግታታትን ባህልን ከም ዘጥፈአት እውን ተሓቢሩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ፤ ተኸታታሊን ብመፅናዕቲ ተደጊፉ ዝትግበርን ምንባሩ ዝጠቐሱ ሓኪምን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰልን ዶክተር ሙከሽ ካፒላ ብግዲኦም፤ ኩሎም ጥፍኣታት ተሓሲብሎምን ብትልሚ ዝተመርሑን ኣብ ርእሲ ምዃኖም፤ ህዝቢ ንምፅናት ቅርስታት ምዕናው ከም ቀንዲ ዒላማ ዝተወሰደ ምንባሩ ጠቒሶም፡፡ እቲ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብትልሚ ዝተመርሐ እዩ፡፡

ንዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ሓላፍነት ዝወስድ እውን እቲ ዝመርሐን ዘዋፈረን እዩ፡ ዝበሉ ሙከሽ ካፒላ ሓይሊታት ፅንተት ተሓባቢሮም ዝፈፀምዎ ገበን ኩሉ ዓቕሞም ኣዋዲዶም እዮም ኣንፀር ህዝቢ ትግራይ ፈፂመምዎ ኢሎም ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብሃንደበትን ምስ ኲናት ተተሓሒዞም ዝፍጠሩ ገበናት ከይኮኑስ ኮነ ተባሂሉን ተሓሲብሉን ወፍሪ ዝተኻየደሉን ጀኖሳይድ ምንባሩ ዝጠቐሱ ኣብ ጉዳያት ጀኖሳይድ ፃሓፊን ተመራማሪን ዶክተር ኣዳም ጄኒስ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትጥራይ ወፍሪ ጀኖሳይድ ከዕውቱ ዝኽእሉ ኩሎም ብልሓታት ኲናት ከም ዝተፈፀሙ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ከይዲ ኲናት ብጀኖሳይድ ክረኣዩ ዘይኽእሉ ገበናት ክፍጠሩ ይኽእሉ እዮም እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ግን፤ ኲናት ከም ዕድል ዝወሰደን ካብ መፈለምትኡ ዝተሓሰበሉ ዒላማ ሽትኡ ክወቅዕ ብዘኽእል ኣግባብ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብምዃኑ ናይ መወዳእታ ጫፍ ገበን እዩ ተፈፂሙ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ፤ ትግራይ ናተይ ኢላ እትሕበነሎምን ምስ ዓለም ዘፋልጥዋን ጥንታዊ ሓድግታት፣ንዋያትን ፀጋታትን ከይህልውዋ መሊኦም ንምጥፋእ ዝተፈፀመ ምዃኑ ዝገለፁ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መምህር ኣንትሮፖሎጂን ሓለዋ ቅርሲን ወልዱ ገብረስላሴ፤ መንነት፣ ባህሊን ታሪኽን ትግራይ ክጠፍእሎም ዝኽእሉ ኩሎም ዓይነታት ገበን ከም ዝተፈፀመ ምጥቃሶም፤ ዩኒቨርሳል ሚዲያ ዳይቨርስ ኣብ ዘመሓላለፎ ሰነዳዊ ፊልሚ ተገሊፁ ኢዩ ፡፡

ገ/እግዚኣብሄር ሃይሉ