Home ዜና ኣብ 9ተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ንልዕሊ 3500 ተምሃሮ ብሄራዊ ፈተና 8ይ...

ኣብ 9ተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ንልዕሊ 3500 ተምሃሮ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ይውሃብ ኣሎ።

469

ኣብ 9ተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ንልዕሊ 3500 ተምሃሮ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ይውሃብ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ 9ተ ወረዳታት ኣብ 96 ጣብያታት ፈተና ን3562 ተፈተንቲ ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ብሄራዊ ፈተና ይወሃብ ከም ዘሎ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ጉዳይ ዞባ ደቡብ ጠማቲ ዓውደ ትምህርቲ ኣይተ ረዳኢ ልቦሎ ሓቢሮም።

ኣብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወፍሪ ሰላም ብቓልሲ ርእሰ መምህር ዝኾነ መምህር ጥጋቡ ዑቋር ኣብታ ቤት ትምህርቲ 105 ስሩዑን 18 ምሸታዊ ተፈተንቲ ተምሃሮ ከምዘለው ድሕሪ ምግላጽ ሰላማዊ ዝኾነ ከይዲ ፈተና ምህላው ተዛሪቦም። እቶም ሕዚ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ዝወስዱ ዘሎ ተፈተንቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናን ጀኖሳይዳዊ ኲናትን ኣብ 2016 ዓ.ም 12 ክፍሊ ክኾኑ ዝነበሮም እንትንኾኑ በዚ ምኽንያት ድማ ሰነ-ኣእሙራዊ ፅዕንቶታት ፈጢርሎም ብምህላዉ ንሕውየቶም ምርብራብ ከምዘድሊ ኣይተ ረዳኢ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣብ 9ተ ወረዳታት ኣብ 96 ጣብያታት ፈተና 3527 ስሩዕ ተፈተንቲን 35 ብውልቀን ብድምር ን3562 ተፈተንቲ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ይወሃብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ 5 ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ 185 ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከባ እንትኾና ኣብዘን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ 1ይ-12 ክፍሊ ዝመሃሩ ዝነበሩ ልዕሊ 150 ሽሕ ተምሃሮ ዛጊድ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥ ሓቢሮም።

#ብኣስናቀ መሓመድ