Home ዜና ኣቦን ጓልን ሓርበኛታት ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ

ኣቦን ጓልን ሓርበኛታት ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ

529

ንሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን ዝወሃብ ክብሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ- ብኽብሪ ዝተመለሱ ኣቦን ጓልን ተጋደልቲ ወረዳ ኣሕፈሮምስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ ካብ ዝተገበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣብ ምግዳል ዝፀንሐ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኪዱ ኣረጋዊ ወራር ስርዓት ኢሳያስን ንምምካት ኣብ ዝተኻየ ኵናት እውን ምስ ወየንቲ ትግራይ ኮይኑ ግብኡ ፈፂሙ፡፡

ብ2013 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኵናትን ወራርን ንመምካት ድማ ንሳልሳይ ግዘ ናብ ቃልሲ ተፀንቢሩ፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈፀመ ግፍዒ ዝረኣየት ጓሉ ሄለን ኪዱ እውን ኣሰር ኣቦኣ ስዒባ ናብ ገድሊ ወሪዳ፡፡

ንህዝብና ክነድሕን ብምግዳልና ክብሪ ተሰሙዑና ሐዚ ክልቲኤና ብኽብሪ ናብ ህዝብና ብምምላስና ድማ ታሕጓስና ወሰን የብሉን ኢሎም እዞም ሓርበኛታት ኣቦን ጓልን።ኣብ ምግዳል እናሃለና ህዝብን ምምሕዳርን ከባቢና ንስድራና ዝገበረዎ ኩለ መዳይ ደገፍ ንምግላፅ ቃላት የብልናን እዚ ደገፍ ድማ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ንዝርከቡ ሓርበኛታትን ሰድራ ስውኣትን ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም፡፡ሐዚ እውን ንትግራይ ኣለናላ ዝበሉ እቶም ሓርበኛታት ህዝቢ ዝሓተቶም ኩሉ ከምዘፍፅሙ እውን ኣረጋጊፆም።

#ብኪሮስ መሓሪ