Home ዜና “ኣካሎም ዝጎደሉን መስዋእቲ ዝከፈሉ ስድራ ተጋደልቲን ምሕጋዝ ፈላማይ ስራሕና ክከውን ኣለዎ“፡፡ ነበርቲ...

“ኣካሎም ዝጎደሉን መስዋእቲ ዝከፈሉ ስድራ ተጋደልቲን ምሕጋዝ ፈላማይ ስራሕና ክከውን ኣለዎ“፡፡ ነበርቲ ክ/ከተማ ሓድነት፡፡

548

እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ በደላት ምሕዋይን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ክስራሕ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡እዚ ዝተገለፀ ህይወቶም ብምሃብ ኣብ ቃልሲ ዝነበሩ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ክፍለከተማ ሓድነት ኣብ ኣቀባብላ ኣብ ዝተገበለሉ እዋን እዩ፡፡

እንኮ ህይወቶም ንምክፋል ናብ ቃልሲ ዝውፅኡ ህዝቢ ንምድሓን እዩ ፣ ስለዝኮነ እውን ነቶም ኣካሎም ዝጎደሉ መስዋእቲ ዝከፈሉን ስድራ ተጋደልቲ ኣብ ምሕጋዝ ናይ መጀመርታ ስራሕና ክከውን ኣለዎ“ ኢሎም ተወካሊ መራሒ ሃይማኖት ክፍለከተማ ሓድነት ፡፡

እቶም ካብ ሰራዊት ትግራይ ብክብሪ ዝተሰናበቱ ተጋደልቲ ትግራይ ህዝቢ ዝሃቦም ሓደራ ግብኡም ኣብ ምፍፃም ዝነበሩ ምኻኖምን ሐዚ እውን ምስ ህዝቦም ብምውዳድ ኣብታ ክፍለ ከተማ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምስፋን ተዋዲዶም ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለከተማ ሓድነት ኣይተ ሓለፎም ገብረህይወት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ፣ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ምርግጋፅ ፍትሕን ሰላምን ፀጥታን ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ፡፡

መንግስቲ ብዘውፅኦ መምርሒ መሰረት ዘለዎም ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ጎኒ እቶም ጀጋኑ ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ምልዕዓል ህዝብን ኣማካሪ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ነጋሽ ኣርኣያ እዮም፡፡ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ክፍለከተማ ሓድነት ዝተረከቡ ነበርቲ ብወገኖም ንተመለስቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እግሪ ንምትካል ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡ ብኣበባ ፅጋቡ