Home ዜና ኣኽሱም ኣብ ድሮ ስርዓተ መረጻ ኤጲስ ቆጶሳት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን

ኣኽሱም ኣብ ድሮ ስርዓተ መረጻ ኤጲስ ቆጶሳት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን

478

መበቆል ጥንታዊ ስልጣነ ዓለምን ዓንዲ ሑቐ ሃይማኖት ክርስትናን ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም ብዝናብ ሓምለ ተጠሚቓ ውዒላን ኣምስያን። ንጎሆን ምሸትን ንፀሎት ዝመላለሱ ኣሽሓት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ጥበብ ጥንታዉያን ሓወልታትን ካልኦት ሓድግታትን ክህውፁ ዝመፁ ካልኦት ኣጋይሽን ዘይፍለይዎ ዙርያ ምላሽ ኣደባባያት ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን ድማ ፃዕዳ ክዳን ለቢሶም ብብርሃን ብዝደመቑ ኣመንቲ ተዓጂቡ ኣምስዩ ኣሎ። ካብቲ ጄኖሳያዳዊ ዕንወት ምስ በጸሖ ዛጊድ ዘይተሃነጸ ከባቢ መዕርፎ ኣየርን ክሳብ ምውጻእ ውቕሮማራይ ከባቢ ዱራን ሰቲ ዝተነስነሶ ሓምለዋይ ልምዓት ይመስል።

ምስሊ ገጻት ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ሃንቀውታን ብስራታዊ ዜናን ፅባሕ 9 ሓምለ መረጻ ኤጲስ ቆጶሳት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ክሰምዕ ተሃንጥዩ ኣሎ።ስርዓተ መረጻ ኤጲስ ቆጶሳት ቤተ ክርስትያን ላዕላዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ትግራይ ሓምለ 9/2015 ዓ/ም ታሪኻዊ ዕማሙ ክፍፅም ምድላዋቱ ወጊኑ ኣሎ። 100 መረጽቲ ን10 ተመረጽቲ ኤጲስ ቆጶሳት ድምፆም ክህቡ እዮም። ብኣርባዕተ ብጹኣን ኣበው ጳጳስትን 5 ፈጸምቲ ኣባላትን ድማ ክትትል ክግበረሉ እዩ። እቲ ዋዕላ ከይዲ መረጻ ኤጲስ ቆጶሳት እምበር ምውሃብ ሹመት ኣይኰነን።ኣብቲ ከይዲ መረጻ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ኣኽሱም ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት እቲ እምነት ብዘይ ድምጺ ክሳተፉ ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ ኣሎ ። ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣኽሱም ብወገኑ ከባቢኡ ጥቡቕ ቁጽጽርን ሓለዋን ብምግባር ስርዓተ መረጻ ኤጲስ ቆጶሳት ቤተ ክርስትያን ላዕላዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ትግራይ ውሑስ ኰይኑ ንክዛዘም ሓላፍነቱ ከም ዝዋፃእ ገሊፁ እዩ።

#ኤፍሬም_ረደሀይ