Home ዜና ኣደ እንተሓውያ ስዳራ ይሓዊ

ኣደ እንተሓውያ ስዳራ ይሓዊ

455

ሕውየት እኖታት ንሕውየት ትግራይ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ተካይዱ ፡፡ እቲ ዑደት ብማሕበር እኖታት ንእኖታት ዝተዳለወ እንትትኸውን ደቂ ኣንስትዩ ካብ ዝበፅሐን ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ንክወፃ ኩሉ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎ እዩ ተሓቢሩ፡፡

ማሕበር እኖታት ንእኖታት ምስረታ እታ ማሕበር ምኽንያት ብምግባር ካብ መጋቢት 29 / 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ዝመፀ ኮይኑ ”ሕውየት እኖታት ንሕውየት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ኪነ-ጥበበኛታት ፣ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝመፃ ኣዴታትን ነበርቲ ከተማ መቐለን ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተሳተፍቲ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብ ዝበፀሐን ዝተፈላለዩ ሃሰያታት ቀልጢፈን ንክሓዉያ ብፍልጠት ይኹን ብንዋት ኩሉ ብዓቕሙ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡

ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኣለማት ኣማረ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብቲ እዋን ኲናት ከቢድ ግፍዒ ተፈፂሙወን ኢዩ ምስ በላ ብቐፃሊ ነዘን ወገናትና ብቅልጡፍ ናብ ሕዉየት ክሰጋገራ እቲ ዝሓለፈ ፀገም ከየሰኮነና ንቅድሚት ክንስጉም ዘኽእለና መንገዲ እናተደጋገፍና ክንከይድ ኣለና ክብላ ሓቢሮም ፡፡

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር እኖታት ንእኖታት ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ ብወገኖም ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስነ-ልቦናዊን ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማትን ንክወፃ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለው እዮም ገሊፆም ፡፡

ብፍላይ ድማ ኣዶ እንተደኣ ሓዉያ ስድራ ሙሉእ ስለዝሓዊ እተን ደቂ ኣንስትዮ ጠንኪረን ክወፃ ንቐፃሊ ሞያዊ ስልጠናታት ብምሃብ ዓርሰን ዝኽእላሉ መንገዲ ንምምችቻው ምስ መዳረግቲ ኣካላት ብምዃን ከምዝሰርሑ እዮም ዝዛረቡ፡፡

#ኣበባ ፅጋቡ