Home ዜና ኣድላይነት ለውጢ ስርዓት ኤርትራ

ኣድላይነት ለውጢ ስርዓት ኤርትራ

562

ኣብ ኤርትራ ለውጢ ስርዓት ክህሉ ዝተዋደደ ቃልሲ ከም ዘድሊ ብፈልሲ ንዴሞክራሲ ኣብ ዝተዳለወ ሲምፖዜም ተገሊፁ፡፡ኤርትራ ብሰንኪ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምልክት ዕግርግርን ተፃብኦን ኮይና ምህላዋ ነበር ኣማኻሪ ወታደራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ዶክተር ሚካኤል ሮቢን ጠቒሶም፡፡ብፈልሲ ንዴሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተሳለጠ ሲምፖዚዮም ንለውጢ ሰርዓት ኤርትራ፤ ኣመልኪቶም ምስ ቴዲ ፕረስ ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ዶክር ሚካኤል፤ ኣብ ኤርትራ ቅልጡፍ ለውጢ ስርዓት ከም ዘድሊ ኣመላኺቶም፡፡

ስርዓት ኤርትራ ኣብ ወፃኢ መስሪትዎም ዝፀንሑ ምሓውራት ብኤርትራዊያን ደለይቲ ለውጢ ይበታተኽ ምህላዉ ዝገለፁ ኣብቲ ሲምዚዮም ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ፤ ኤርትራዊያን መንእሰያት ብበርጌድ ንሓመዱ ተወዲቦም ኣብ ኣውሮፓ ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ ንፖለቲካዊ ለውጢ ኤርትራ ወሳናይ ግደ ይፃወት ምህላዉ ጠቒሶም፡፡ተሳታፋይ ሲምፖዚዮም ንለውጢ ስርዓት ኤርትራ ካብ ዝነበሩ ነባራት ፖለቲከኛታት ሓደ ዝኾኑ፤ ነበር ኣማኻሪ ወታደራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ዶክተር ሚካኤል ሮቢን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓፂር እዋን ክወድቕን ኤርትራ ብሓዱሽ ተስፋ ክትለዓል ከም እትኽእልን ኣመላኺቶም፡፡

ውርስታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምዝራግን ዕግርግርን እዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እዙይ ዝበሃል ልምዓታዊ ይኹን ህንፀት ወለዶ ኣየርኣየን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ወፃኢ ክሰምዕ ኣይተፈቐደሉን ዝበሉ ዶክተር ሚካኤል ሮቢን፤ ከምዙይ ዓይነት ስርዓት ኣድላይ ዘይምዃኑ ኣመላኺቶም፡፡ኣብ ኤርትራ ተሃኒፁ ዝፀንሐ ፍርሕን ቀይዳዊ ኣወዳድባን ኣብዚ ሕዚ እዋን ክበታተኽ ምጅማሩን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ሰርዓት ክህሉ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ቃልሲ ተጀሚሩ ምህላዉን፤ ነቲ ብመሓውራት ኤሳያስ ኣፈወርቂ ተዘርጊሑ ዝነበረ ፍርሒን ራዕዲን ፈንፂሕዎ ምህላዉ ዘመላኸቱ እቶም ነበር ኣማኻሪ ወታደራዊ ድሕንነት፤ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ምህላዉ ኣመላኺቶም፡፡

ኩነታት ኤርትራ መሕዘኒ ምዃኑን፤ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣትየን ከይንቀሳቐሳ ዝተኣገዳሉ ቀንዲ ምኽንያት፤ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ስለላዊ መሓውር ኢሳያስ ካልእ ከይርኢን ሓሳባቱ ንናፃ ሚዲያታት ከይገልፅን ዝተሃንደሰ ምዃኑ ዝገለፁ ደከተር ሚካኤል ሮቢን፤ ከም ውፅኢቱ ድማ ኤርትራ ኣብ ዓለምና እታ ዝደኸየትን ብድሕረት እትሳቐን ሃገር ክትከውን ከም ዝተገደደት ገሊፆም፡፡ኤርትራ ብግዕዝይና ዝተመራሰሐ ወዲ 70 ዓመት ዝዕንድረላ ሃገር ምዃና፤ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መሬት ኣውሪድዎ ምህላዉ ዝገለፁ ዶክተር ሚካኤል፤ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብመላኺነት ዝመርሖ መሓውር ምውጋድ መማረፂ ዘይብሉ ሕርያ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ከም መሰልን ግቡእን ዝውሰዱ ልቓሕን ድጋፍን ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ኣብ ኤርትራ ኣይሕሰቡን፣ እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ስርዓት ስለ ዝሰግእ እዩ ምኽንያቱ ቁጠባዊ ረብሓ ህዝቢ ከረጋግፅ ኣይደልን ዝበሉ ሚካኤል ሮቢን፤ ዓለም ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ቅዋም ክትምርምር ይግባእ ኢሎም፡፡

ኤርትራዊያን ድሕሪ ዘካየድዎ ነዊሕ ቃልሲ ናፅነት፤ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ሓርነት ከረጋግፁ ይግባእ፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብመሓውር ስለላ ስርዓት ኢሳያስ ተጨውዮም ኣለዉ ዝበሉ ነበር ኣማኻሪ ወታደራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ፤ ኢሳያስ ግን ሕዚ እውን ንባዕሉ ከም መራሒ ነፃነት ገይሩ ዝቖፅርን ዘመናዊ ምሕደራ ዘይኣምንን ምዃኑ አረጋጊፆም፡፡

ኣባል ምውህሃድን ተሳታፋይን ሲምፖዚየም ፈልሲ ንለውጢ ሰርዓት ኤርትራ ዶክተር ፅጋቡ ኣስመላሽ ብግዲኦም፤ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ግድን ምዃኑን እቲ ቃልሲ ብመናእሰይ ክምራሕ ጀሚሩ ምህላዉን ኣመላኺቶም፡፡

#ብገብረግዛብሄር ሃይሉ