Home ዜና ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ንእትርከብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት...

ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ንእትርከብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ላጪ 410 ካርቶን ፀባ ድጋፍ ሂቡ።

580

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ቻይና ዥሆ ዥያን፤ቻይና ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ትኹረት ከም እትገብር ብምግላፅ ኣብ ዳግመ ህንፀት እዚ ዓውዲ ድጋፍ ከምትገብርን ሓቢሮም።ካብቲ ሐዚ ዝተገበረ ሓገዝ ፀባ ብተወሳኺ ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ዝወድአ ምግቢ ተንከፍ ሓገዛት ኣብ ወደብ ጅቡቲ በፂሑ ምህላው ኣረዲኦም።

መምህራንን ተምሃሮን ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገማት ኮይኖም ኣብ ትግራይ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሮም ዘመስገኑ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ቻይና ንዝጀመረቶ ድጋፍ ብምምስጋን መንግስቲ እውን ኣብዚ ዓዉዲ ዝኸኣሎ ኩሉ ከምዝገብር ገሊፆም።

በቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ከምዝዓነዋ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ቻይና ኣብ ዳግመ ህንፀት እዚ ዓውዲ ሓገዝ ንኽትገብር ዘለዎም እምነት ብምግላፅ ገንዘባውን ቴክኒካውን ሓገዝ ቻይና ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ፀዊዖም።

ርእሰ መምህር ሙሉእ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ላጪ መምህር ሓዱሽ መሓሪ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ልዕሊ 4 ሽሕ ተምሃሮ ከምዝርከቡ እዚ ቁፅሪ ኣብ ሓደ ክፍሊ ልዕሊ 120 ተምሃሮ ተፀጊሞም ክመሃሩ ተገዲዶም ከምዝገበረን እዚ ዝኾነሉ ድማ ተመዛበልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ብምህላዎምን እኹል መምሃሪ ክፍልን ናውትን ብዘይምህላዎምን ምዃኑ ኣረዲኦም።

ቻይና ንፈለማ እዋን ንተምሃሮ ዝውዕል ዕሹግ ፀባ ሓገዝ ብምግባራ ብምምስጋን ኣብ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ቀፃሊ ሓገዝ ክትገብር ድማ እቶም ርእሰ መምህር ፀዊዖም።

#ሃይለሚካኤል ገሰሰ