Home ዜና ኤጀንሲ ምልማዕ ንግድን ሰደድን ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ዝ/ያ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት፣ ዞባታትን...

ኤጀንሲ ምልማዕ ንግድን ሰደድን ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ዝ/ያ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት፣ ዞባታትን ወረዳታትን ክረምታዊ ዕማማት መሰረት ብምግባር ዘተ ኣብ ምስላጥ ይርከብ።

649

ዘሎናዮ እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደ ረቢቡ ሃለዋቱን ረብሕኡን ዘረጋግጸሉ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ኤጀንሲ ምልማዕ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ገ/መስቀል ታረቀ ብሰንኪ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝዓነው መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናፅ ድማ ዝያዳ ተሳትፎና ክሕይል ይግባእ ኢሎም።

ብርክት ዝበሉ ነጋዶ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ዕሩዕ ስራሖም ብዘይምህላዎም፣ ሕ/ሰብ ዝጠልቦም መሰረታዊ ነገራት ክረክብ ከም ዘይካኣለ ዝገለፁ ኣይተ ገ/መስቀል ነጋዶ ትግራይ ናብ ስሩዕ ስራሖም ንምምላስን ስርዓት ንምሓዝን ድማ ከም ኤጀንሲ ጠመተ ሂቡ ከም ዝሰርሐሉ ኣገንዚቦም።ዋላኳ ተጀሚሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ባህጊ ህዝቢ ትግራይ እንተኾነ፣ ንእዋናዊ ኩነታት ተበሊጾም ዘይስሩዕ ከይዲ ልውውጥ ንግዲ ንዘሳልጡ ነጋዶ ስርዓት ንምትሓዝን ፣ ኣምጻእትን ለኣኽትን ንዝኾኑ ሕጋዎት ነጋዶ ድማ ኩለ መዳያዊ ድጋፋት ከም ዝግበረሎም ኣይተ ገ/መስቀል ታረቀ ኣረጋጊጾም።#መርሃዊ ተስፋይ