Home ዜና እታዎታት ሕርሻ ሕዚ እውን ዝዓበየ ጠለብ ሓረስታይ ትግራይ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።

እታዎታት ሕርሻ ሕዚ እውን ዝዓበየ ጠለብ ሓረስታይ ትግራይ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።

654

እታዎታት ሕርሻ ሕዚ እውን ዝዓበየ ጠለብ ሓረስታይ ትግራይ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።

ካብ ፀላኢ ነፃ ኣብ ዝኾና ወረዳታት ዝርከቡ ሓረስቶት ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ ክልል ኦሮምያ፣ ማረትን ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ሕርሻን ብዝተረኸባ ሓገዝ ትራክተራት ዝሓሸ ፍርያት ክሓፍሱ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።ዛጊድ ድማ ኣብ ወረዳታት እምባ ኣላጀ፣ እንዳ መኾንን ራያ ዓዘቦን ልዕሊ 20 ሄክታር መሬት ብዘበናዊ መንገዲ ብትራክተራት እናተሓረሰ ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ገጠርን እታ ዞባ ሓቢሩ።ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይለ ታደለ ከምዝገለፅዎ ከም ዞባ ልዕሊ 143 ሽሕ ተሓራሳይ መሬት ኣሎ።

ካብዚ ድማ 3.1 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ክሕፈስ ትልሚ ከምዝተታሕዘ እውን ኣረዲኦም።ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም፣ ሓረስታይ እታ ዞባ ኣቐዲሙ ስራሕቲ ምዕቃብ ጠሊን ተዛመድቲ ስራሕትን እናሰርሐ ከምዝመፀ ገሊፆም። ይኹን እምበር ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት እቲ ሓረስታይ ናውቲ ሕርሽኡን ኣብዕሩን ከምዝሰኣነ ገሊፆም።

ሐዚ ነቲ ፀገም ብኽፋል ዝፈትሓ ትራክተራት ብሓገዝ ስለዝተረኸባ ብዝተወሰነ ስራሕቲ መካናይዘሽን ሕርሻ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።እንተኾነ ግን ምስ ስፍሓት መሬት እቲ ዞባ እንትነፃፀር ዝተገበረ ሓገዝ ትራክተራት እኹል ከምዘይኮነን ምህርቲ ንምዕባይ ዘኽእሉ እታወታት ከምዘይተረኸበን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ በብርኪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ሓረስታይ ናብ መፍረያይነት ዝሰጋገረሉ እኹል ዝኾነ እታዎታት ሕርሻ ስለዘየለ መንግስቲ ኮነ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ሓገዝ ክገብሩ ፃዉዒት ቀሪቡ። እንተዘይኮይኑ ከምዞባ ዝተታሕዘ ትልሚ ንምዕዋት ከምዘፀግምን ልምዓት ሕርሻ እታ ዞባ ብሰንኪ ሕፅረት እታወታት ከምዝንክን ቤት ፅሕፈት ሕርሻ እታ ዞባ ሓቢሩ።

ብርክት ዝበለ መሬትን ህዝብን ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ኢድ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ወዲቑ ኣብ ከቢድ ስቓይን ዓፀቦን ዋላ እኳ እንተሃለወ ዛጊድ ብዝኾነ ኣካል ዝተቐመጠ መፍትሒ ሓሳብን ዝተዉሃበ መብርህን የለን።

#ብኣስናቀ መሓመድ