Home ዜና ” እንኮ ባህግና ሰላም እዩ “

” እንኮ ባህግና ሰላም እዩ “

522

ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ ጣብያ ጌራ ቁሸት 7 ሕጉም ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታትን ዘተ ተሳሊጡ፡፡ኣብቲ ዝኽሪ ዝተረኸበ ተጋዳላይ ዮሃንስ ወ/ጀወርግ ናይ ኩሉ ግዜ ባህግና ሰላም ስለ ዝኾነ ንዘጋጥሙና ፀገማት ብውሑሉል ፓሎቲካውን ዲፕሎማስያውን ርክባት ክንፈትሕ ይግባእ ኢሉ።

እቶም ክሳብ ሐዚ ዝተኻየዱ ምዕራፋት ቃልስን ዝተኸፈለ መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ መንነቱን ክብሩን ኣሕሊፍ ንዘይምሃብ ኩሉ ዓይነት ዋጋ ዝኸፍል ምዃኑ ዘረጋገፀሉን ንዓለም ዘመስከረሉን ፍፃመ እዩ ኢሎም፡፡መዓልቲ ሰማእታት እንትንዝክር ድማ ምእንተ ሰላምን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ ምዃኑ ብምግላፅ ብቐፃልነት ውሑስን ዘላቒን ሰላም ንምርግጋፅ እቲ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ኩሉ ዝጠልቦ ክንፍፅም ኢና ኢሎም፡፡ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስታት 189 ሽሕ ብር ወፃኢ ብምግባር ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ከም ዝተገበረ ድማ ተጋዳላይ ማሾ በየነ ተዛሪቦም፡፡

#ብሃፍታይ ባህረ