Home ዜና እዋናዊ መግለፂ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

እዋናዊ መግለፂ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

585

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓንን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ምውሓስን ኩሉ ትግራዋይ ተመሳሳሊ መርገፂ ክህልዎ ይግባእ ኢሉ፡፡ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደወል ብሄራዊ ሓደጋ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መግለፂ ምርግጋፅ ሕጋዊ ግዝኣት ትግራይ ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡


ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ኣብ ዝሃብዎ እዋናዊ መብረሂ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ልዕሊ ሲሶ መሬት ትግራይ ብሓሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ሻዕብያን ተወሪሩ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡


መሬት ትግራይ ተወሪሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብና በቶም ወረርቲ ሓይሊታት መዓታዊ መከራን ስቓይን ይበፅሖ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ክንፈ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ይቕፅል ከምዘሎ ኣረድኦም፡፡


ወረርቲ ሓይሊት ሓምሓራን ኤርትራን ኣብ ዝወረርዎ ሕጋዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ቐረባ ርሕቐት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ይትረፍ ተረጋጊዑ ናብራኡ ክመርሕ ንብረቱ ይውረርን ብመጭወይቲ ይስወርን ከምዘሎ ድማ ኣይተ ክንፈ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡


ከም ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከቢድ ብሄራዊ ሓደጋ ወድቑ ከምዝርከብ ኢና ነኣምን ዝበሉ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዋላ ይሃሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓንን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ምውሓስን ግና ኩሉ ትግራዋይ ተመሳሳሊ መርገፂ ክህልዎ ይግባእ ኢሎም፡፡
#ብታደለ ዳኘው