Home ዜና እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

609

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ሚኒስቴር ትምህርቲ ፈዴራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ብቕልጡፍ ክእረም ንፅውዕ!ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝርዝር ኣብያተ ትምህርቲ ዕላዊ እንትገብር ኣብ ዞባታት ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ክልል ኣምሓር ብምክላል ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ኣሎ።

እዚ ቤት ዕዮ መደበኛ ስርሑ ንጎኒ ገዲፉ ናይ ሓደ ኣካል ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምዃኑ ብዕሊ ካብ ምርግጋፁ ብተወሳኺ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ሓደጋ ዘእቱን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ብዝኸፍአ መልክዑ ዝዘርግን ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ከምዝፈፀመ ተረዲኡ ብቕልጡፍ ክእርሞን ንህዝቢ ትግራይ እውን ብዕሊ ይቕሬታ ክሓትትን ንፅውዕ።መንግስቲ ፌዴራል ድማ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ እዚ ትካል ግቡእ ስጉምቲ ወሲዱ እቲ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ብህፁፅ ንክእርሞ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ!ሰላም ንሕውየትን ፍትሕን!!ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን

23 ሰነ 2015 ዓ.ምመቐለ