Home ዜና እዚ ስራሕ ኣብ ናብራይ ለውጢ ኣምፂኡለ እዩ- ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈረ መንእሰይ

እዚ ስራሕ ኣብ ናብራይ ለውጢ ኣምፂኡለ እዩ- ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈረ መንእሰይ

561

ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ከተማ ዓድሽሆ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈረ መንእሰይ ካብቲ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ስራሕ ተራባሒ ይኾውን ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

መንእሰይ ፀጋይ ንጉሰ ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ነበራይ ከተማ ዓዲሽሆ እዩ፡፡

እዚ መንእሰይ ምርባሕ ደርሁ ኣብ 2009 ዓ/ም ብ34 ሽሕ ብር ከምዝጀመረ ብምሕባር ኣብቲ እዋን ፅቡቕ ምንቅስቓስ ዕዳጋ ደርሁ ከምዝነበረ ይዛረብ፡፡

ምርባሕ ደርሁ ብትኹረት እንተሰሪሕኻሉ ዓብዪ ቁጠባዊ ረብሓ ከምዘለዎ ዝሓበረ መንእሰይ ፀጋይ ኣብ ዓውዲ ምርባሕ ደርሁ ተዋፊሩ መነባብሮኡ ከመሓይሽ ከምዝኸኣለ ድማ ይገልፅ፡፡

ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ደርሁ ንምርባሕ ጥጡሕ ባይታ ከምዘይነበረ ዝገለፀ እቲ መንእሰይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተረኽቡ ብዘሎ ሃዋሁው ሰላም ምርባሕ ደርሁ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ብምሐባር መስረሒ ቦታ ክወሃቦን ይሓቲት፡፡

ምርባሕ ደርሁ ብውሑድ መበገሲ ካቢታልን ኣብ ውሱን መስረሒ ቦታን ምጅማር ይከኣል እዩ ዝበለ መንእሰይ ፀጋይ፤ መናእይ ትግራይ ኣብቲ ዓውዲ ተዋፊሮም ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዝግባእ ምዒዱ፡፡

 ታደለ ዳኘው