Home ዜና ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር 2016 ዓ/ም ንምጅማር ፀገም ናውትን መምሃሪ ክፍልታትን ከምዘጋጠሞ ቤት...

ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር 2016 ዓ/ም ንምጅማር ፀገም ናውትን መምሃሪ ክፍልታትን ከምዘጋጠሞ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ መኾኒ ገሊፁ።

515

ተምሃራይ  ግርማይ ተኽላይን ተምሃሪት ገነት ሞገስን ኣብ ከተማ መኾኒ  ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ፈንቅል ተምሃሮ 11 ክፍሊ እዮም።

እዞም ተምሃሮ ትምህርቶም ንምጅማር ምድላዋቶም ገይሮም ኣለዉ።

ይኹን ድአ እምበር  ብሰንኪ ሕፅረት ናዉትን ፀገም መምሃሪ ክፍልታትን ሕዚ እዉን ንትሞህርቶም ዕንቅፋት ከይፈጥረሎም ዓብይ ስግኣት ኣለዎም።

ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃረ ንምጅማር ከይዲ ምዝገባ እናካየዱ ከምዝርከቡ ዝገለፁ ምክትል ርእሰ መምህር ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ፈንቅል መምህር ጎይቶኦም ግርማይ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ክፍልታት ብተመዛበልቲ ስለዝተትሓዘ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፋት ከምዝፈጥረሎ ገሊፆም።

ኣብታ ወረዳ  ካብ ዝርከባ 5 አብያተ ትምህርቲ  ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር ን2016 ዓ/ም ንምጅማር ካብ ቀዳማይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ 5 ሽሕን 196 ተምሃሮ ክምዝገቡ ትልሚ ተታሒዙ እንተነበረ እውን ዛጊድ ግና 35% ጥራሕ ከምዝተመዝገቡ ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ መኾኒ መምህር መሓሪ ታደለ ሓቢሮም።

ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር ንምጅማር አፀጋሚ ኩነታት ከምዘሎ ዝገለፁ መምህር መሓሪ ዝምልከቶም አካላት ህፁፅ ፍታሕ ክገብረሎም ሓቲቶም።

ሃፍቱ ብሰራት