Home ዜና ከይዲ ስነ-ስርዓት ሢመተን ምድብን ኤጲስቆጶሳት

ከይዲ ስነ-ስርዓት ሢመተን ምድብን ኤጲስቆጶሳት

563

ከይዲ ስነ-ስርዓት ሢመት ኤጲስቆጶሳት መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ላዕለዋይ ቤት ክህነት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ይካየድ ኣሎ።ኣብቲ ክሳብ ሐዚ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ድማ ሲመትን ኣንብሮተ እድን ዝተኻየደ ኾይኑ1. ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ- ኤጲስ ቆጶስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ትግራይ ሃገረስብከት ማይጨው 2. ብፁእ ኣቡነ ናትናኤል- ኤጲስ ቆጶስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ትግራይ ሃገረስብከት ሑሞራ3. ብፁእ ኣቡነ ኣረጋዊ-ኤጲስ ቆጶስ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃንን ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይን4. ብፁእ ኣቡነ የሐሃንስ-ኤጲስ ቆጶስ ቅዱስ ፍሬ ምናጦስ ኣቡነ ሰላማ መንፈሳዊ ኮለጅን ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ካቴድራልን5. ብፁእ ኣቡነ እምባቆም -ኤጲስ ቆጶስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ6. ብፁእ ኣቡነ ኣትናቴዎዮስ -ኤጲስ ቆጶስ ሃገረ ስብከት ደብረ ገነት ቅዱስ ጊወርጊስ ቨርጅንያኮይኖም ተሰይሞም ኣለው።ሓደሽቲ ተሰየምቲ ብፁኣን ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ ኣመንቲ ቃለ መሓላ ፈፂሞም።እቲ ስነ ስርዓት ክሳብ ቀትሪ ስዓት 6:00 ብዝተፈላለየ መርሃ ግብሪ ክቕፅል እዩ።

#ብሃይለሚካኤል ገሰሰ