Home ዜና ኩሉም  ዓቅምታት ንምፍታሕ ፀገማት ትግራይ

ኩሉም  ዓቅምታት ንምፍታሕ ፀገማት ትግራይ

532

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ንምፍታሕ  ኩሉ ዓቅሚ ትግራይ ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ፡ – ፕረዚደንት ጌታቸው

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ   ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ህልውና  ሓደጋ ንምፍታሕ   ኩሉ ዓቅሚ ትግራይ ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ ኢሎም   ።

ፕሪዚደንት ጌታቸው እዚ ዝበሉ  ዘተ ንብራኸ ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ እዩ።

ፕሪዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዘተ ንብራኸ ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ   ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ  ስምምዕነት ፕሪቶርያ ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጥረ ናይ ፅንተት ሓደጋ  ንምዕጋት ዝተኽተመ ውዕሊ  እዩ ዝበሉ እንትኾን  እቲ ውዕሊ ብምሉእነት ከይፍፅም ብመንግስቲ ፌደራል ብዝፍጠሩ ዕንቅፋታት ጥራሕ እንተኮነስ ናይ ዉሽጢ ድኽመታት’ውን ናይ ባዕሉ እጃም ይፃወት ምህልዉ ኣገንዚቦም።

ሕዚ ዘሎ  ተኣናፊ ኩነታት ብውነ ምርዳእ ከምዘድሊ ብምግላፅ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ገና ዝቕፅል ዘሎን ጀኖሳይድ  ንምምካት  ኩሉ ዓቅሚ ብምጥቃም  ዘላቂ  መፍትሒ ንምምፃእ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም

ከም ማሕበረስብ ፖለቲካዊ ምህዳር ትግራይ ንምስፋሕ መንግስቶም ከም ዝስርሕ ዝግለፁ ኣይተ ጌታቸው  ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ንረብሓ ዝልውጠሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ክረባረብ ከም ዝግባእ ኣብሪሆም።

ብምትሕብባር ገረዓልታ ኢኒስቲቱትን ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይን  ካብ 18-19 ጥሪ

ዘተ ንብራኸ ትግራይ ብዝብል ቴማ ክካይድ ዝፀንሐ  ልዝብ ንቐፃሊ ክግበሩ ዝግባእ ኣንፈራት ብምሕባር  ተዛዚሙ እዩ

ሙሉጌታ ገ/ገርግስ