Home ዜና ኩሉ ፀገማት ተፃዊርና ዝዓነው ከተማታትና ዳግመ ንኽሓዉዩን ንኽህነፁን ሓቢርና ክንሰርሕ ይግባእ፦ ወ/ሮ...

ኩሉ ፀገማት ተፃዊርና ዝዓነው ከተማታትና ዳግመ ንኽሓዉዩን ንኽህነፁን ሓቢርና ክንሰርሕ ይግባእ፦ ወ/ሮ ያለም ፀጋይ

573

ሚኒስተር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ምስ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ብምትሕብባር ንኣመራርሓን ሰብ ምያን ካብ 23/09/15- 26/09 /2015 ዝፀንሕ ስልጠና እናሃበ ይርከብ፡፡ እቲ ስልጠና ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ምያን ኣመራርሓን ሕውየት ስነ ልቦና ፣ ሕውየት ከተማታትን ኮንስትራክሽንን ትልሚ ቀፀልቲ 3 ኣዋርሕ ፣ ምሕደራ መሬትን ፅሬትን ፅባቐን ከተማታትን ከም ዝኾነ ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ወ/ሮ ኣልማዝ ገ/ፃዲቅ ተዛሪበን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ከቢድ ስቃይ የሕልፍ ከም ዘሎ ዝገለፃ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሪተሪያት መሰረተ ልመዓት ወ/ሮ ያለም ፀጋይ ንካልኦት ከባብታት መርኣያ ዝነበራ ከተማታት ትግራይ ዓንየን ከም ዘለዋን ናብ ዳግመ ሕውየት ንምምላስ ፌደራል መንግስቲ ድጋፍ ክገብር ኣለዎ ኢለን፡፡ ከሉ ፀገማትና ተፃዊርና ኣብ ከተማታትና ዘሎ ፀገም ክንፈትሕን ግልጋሎት ቤት መዘጋጃ ፣ ስራሕቲ ኮንስትራክሽንን ኣብ ምጅማርን ናይ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን መደባት ክንሰርሕ ይግባእ ኢለን፡፡

ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝሐሸ ምዕባለን ቴክኖሎጂ ከም ዝነበራ ዝገለፁ ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣይተ ፋንታ ደጀን እዘን ከተማታት ናብ ዝነበርኦ ንምምላስ ብትኹረት ክሰራሕ እዩ ኢሎም ፡፡ እቲ ስልጠና ን4 መዓልቲ ዝፀንሕ ን300 ኣመራርሓን ሰብ ምያን ስልጠና ከም ዝወሃብ ድማ ተገሊፁ፡፡

ብሃፍታይ ባህረ