Home ዜና ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ 29 ሰነ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ...

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ 29 ሰነ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፣ ወድዓዊ ፀገማት ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ጉዳይ ግዜ መኽፈሊ ግብሪ፣ ምሕዳስ ፍቓድ ንግዲን ምሕዳስ ውዕሊ ኮንትራክተራትን ዘትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

392
0

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ 29 ሰነ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፣ ወድዓዊ ፀገማት ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ጉዳይ ግዜ መኽፈሊ ግብሪ፣ ምሕዳስ ፍቓድ ንግዲን ምሕዳስ ውዕሊ ኮንትራክተራትን ዘትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ፦
1. ናይ ግብሪ መኽፈሊ ግዜ ክሳብ 30 መስከረም 2016 ዓ/ም ፦
2. ንግዲ ፍቓድ ናይ መሐደሰ እዋን እውን ብተዛማዲ ክሳብ 30 መስከረም 2016ዓ/ም ክናዋሕ ውሳነ ዘሕለፈ ኮይኑ፤
3. ቅድሚ ኩናት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ናይ ክንትራክተራት ውዕል[ማይ፣ መንገዲን ህንፃታትን] ኣብ መፅናዕቲ ብምምስራት ውዕሎም ከሐድሱ ወሲኑ ኣሎ።
# ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት

Previous articleማሕበር ተራድኦ ኬብሮን” ፕሮጀክት ሓደ ጥማር ንሓደ ህፃን” ብዘበል መሪሕ ቃል ኣብ ዞባ ድቡብ ትግራይ ንዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ልዕሊ 500 ሽሕ ዝዋገኦም ናውቲ ትምህርት ኣበርኪታ።
Next articleሓገዝ ፋብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ