Home ስፖርት ካብ ሰነ 14 /2015 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር...

ካብ ሰነ 14 /2015 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር ሻምፒዬና ብሽክለታ ኢትዬጵያ ሎሚ ሰንበት ተዛዚሙ።

480
0

ካብ ሰነ 14/2015 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር ሻምፒዬና ብሽክለታ ኢትዬጵያ ሎሚ ሰንበት ተዛዚሙ።

ሎማዓንቲ ሰንበት ኣብ ዝተሳለጠ 120 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈና ናይ ደቂ ተባዕትዬ ውድድር ብዛየሁ ተስፋኡ ተዓዊቱ ፅጋቡ ገ/ማርያምን ሙሉ ክንፈን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም።

ብመሰረት እዚ ብዛየሁ ተስፋኡ ሻምፒዬና ብሽክለታ ኢትዬጵያ 2015 ዓ/ም ኮይኑ። ብተመሳሳሊ ብደቂ ኣነስትዬ ኣብ ዝተሳለጠ 60 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ዝሸፈነ ቅድድም ብሽክሌታ ፅገ ካሕሳይ ካብ ትግራይ ቀኖ ኣለሙ ካብ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዬጵያ ራሄል ታመነ ድማ ካብ ትግራይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ወድድረን ዛዚመን።

#ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ልዕሊ 5 ሽሕ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘይኣተው ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ኣፍሊጡ።
Next articleዳግመ ህንፀት ሳባ ኢትዮ-ፒክ ሪዞርት